ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣብ ግንባራት ከቢድ ስዕረት ንዘጓነፎ ሰራዊት ሞራል ንምሃብ ዑደት የካይድ

Radio Erena: Tuesday, 05 September 2023

ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ሓያሎ ግንባር ከቢድ ስዕረት ንዝወረዶ ሰራዊት እታ ሃገር ሞራል ንምሃብ ዑደት ምክያዱ ተሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንትን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን፣ ማሓስ ኣብ ዝተባህለ ቀንዲ መአዘዚ ናይቲ ኣንጻር ኣልሸባብ ወፍሪ ዝካየደሉ ዘሎ ወትሃደራዊ መዓስከር’ዩ በጺሑ።

ቀንዲ ዕላማ ዑደት እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ዞባታት ሒርሸበልን ጋልምዱግን፣ ኣልሸባብ ብዘካየዶ ጸረ መጥቃዕቲ ተሰናኺሉ ዝርከብ ወፍሪ ሰራዊት እታ ሃገር ዳግም ንምብርባርን ንሰራዊት ሞራል ንምሃብን ምዃኑ’ዩ ተጠቒሱ።

ንኣልሸባብ ብወትሃደራዊ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብስነ ሓሳብን ፋይናንስን ንምድኻሙ ተበጊሱ ዝነበረ ካልኣይን ወሳንን መድረኽ መጥቃዕቲ ሰራዊት ሶማል፣ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈነወሉ ጸረ መጥቃዕቲ ተገቲኡ ምህላዉ’ዩ ዝንገር ዘሎ።

እቲ ሽበራዊ ምዃኑ ዝግለጽ ጉጅለ፣ ኣቐዲሙ ሰራዊት ሶማል ተቖጻጺርዎ ንዝርከብ ስትራቴጃዊ ከባቢታት ደጊሙ ክሕዞ እንከሎ፣ ብርከት ዝበለ ዕጥቕን ስንቅን’ውን ክማርኽ ከምዝኸኣለ’ዩ ተሓቢሩ።

ሶማል ኣብ 2024 ካብ ኣልሸባብ ሓራ ክትከውን ምዃና ተመባጺዑ ዘሎ ፕረዚደንት ሓሰን፣ ድሕሪ’ቲ ንገስጋስ ሰራዊቱ ዝገትአ ጸረ መጥቃዕቲ’ውን ዓወት ኣብ ኢድ መንግስቲ ከምዘላ’ዩ ዝጠቕስ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0