ፌስቲቫላት ንምዝራግ ዝካየድ ዘሎ ባእሰን ዕግርግርን፣ ሞሳድ ዝርከቦም ዓበይቲ ትካላት ስለያ ዝሃቀንዎ ሽርሒ’ዩ ክብል መንግስቲ ኤርትራ ወቂሱ

Radio Erena: Wednesday, 06 September 2023

ኣብ እስራኤል፣ ብኤምባሲ ንዝተወደብ ፌስቲቫል ደው ንምባሉ ኣብ ዝተኻየደ ፈተነ፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ህግደፍን ብስም ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ዝተወደቡ ደለይቲ ለውጢን ኣብ ዝተወልዐ ባእስን ዕግርግርን፣ ሸጓጉጥ ሒዞም ዝነብሩ ሰባት ብፖሊድ ይህደኑ ኣለዉ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዘቕርብኦ ዘለዋ ሓበሬታ፣ ፖሊስ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ብናይ ጎደናታት ካሜራታት ተሓጊዞም ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ሃድን፣ ዛጊት ሓደ ሰብ ክሕዙ እንከለዉ፣ ንሸውዓተ ካልኦት ኣብ ምክትታል ከምዝርከብ ኣነጺሩ።

ኣብቲ ብቀዳም፣ 02 መስከረም ኣብ እስራኤል ዝተኻየደን ሸፈነ መላእ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝረኸበን ባእስን ዕግርግርን ደገፍቲ ህግደፍን ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጥን፣ ብውሕዱ 150 ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ፣ እቶም 11 ብጠያይቲ ከምዝተሃርሙ’ዩ ተገሊጹ።

ፖሊስ እስራኤል ኣርባዕተ ጠያይቲ ጥራይ ከምዝተኮሰ ክጠቕስ እንከሎ፣ እቲ ዝተረፈ ሸውዓተ ጠያይቲ ካብቶም ነቲ ሸጓጉጥ ዓጢቖም ዝነበሩ ደገፍቲ ህግደፍ ዝተተኮሰ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ነቲ ዝተወልዐ ባእስን ዕግርግርን እተምርምር ናይ ጸጥታ ኮሚቴ ኣቝሙ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፣ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ስርዓት ዝድግፉ ልዕሊ ሓደ ኤርትራውያን ክሰጉግ ምዃኑ’ዩ ተመባጺዑ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ስርዓት ትድግፉ እንተደኣ ኮይኖም ኣብ እስራኤል ዑቕባ ዘሕትት ምኽንያት የብልኩም ክብል’ዩ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣነጺሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ብ05 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ነቲ ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን፣ ዘይጸዓድ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ዘሰናበዶም ዓበይቲ ትካላት ስለያ (እንተላይ ሞሳድ ናይ እስራኤል) መሳርዕ ህዝቢ ኤርትራ ንምዝራግ ብዕማዀ ሃሱሳት ዝህቅንዎ ዘለዉ፡ ፋይዳ ዘይብሉ ከንቱ ሽርሒ ‘ዩ ክብል ወቒሱ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ሃገራውን ባህላውን ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ንምዝራግ፣ ነቲ መለለዪ ኤርትራውያን ዝኾነ ስልጡን ውዳበ፡ ሃገራውን መንነታውን ሓበን ዝማእገሩ ባህልን ክብርታትን ንምድዋን፣ ብኡ ኣቢልካ ድማ ካልእ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ንምስሳይ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ጎነጻዊ ናዕቢ ክተባባዕ ከምዝተራእየ ኣስሚርሉ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0