ብኤርትራውያን ዝውነን፣ እዝራ ኩባንያ ህንጻን ልምዓትን፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ክልተ ዓበይቲ ጀላቡ ኣመሪቑ

Radio Erena: Tuesday, 05 September 2023

ኣብ ደቡብ ሱዳንን፣ ኣብ ካልእ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዝነጥፍ፣ ብኤርትራውያን ኣውፈርቲ ዝውነን ‘እዝራ ኩባንያ ህንጻን ልምዓትን’ (ECDG)፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ክልተ ዓበይቲ ናይ መጉዓዝያ ተሰሓብቲ ጀላቡ ኣመሪቑ።

ማሕበራዊ ሜድያ ፌይስቡክ ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣብቲ ብ30 ነሓሰ ዝተኻየደ ናይ ምምራቕ ስነ ስርዓት፣ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳንን ኣቦ መንበር ትሕተ ቅርጺ ናይታ ሃገር ታዕባን ደንግ መሪቑ ከፊትዎ።

ብዘይካ’ቲ ምክትል ፕረዚደንት ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍትን ብርክት ዝበሉ ዕዱማት ኣጋይሽ ተረኺቦም።

እተን ተሳሓብቲ ጀላቡ፡ ካብን ናብን ብፈለግ ኒል ኣብ ዝካየደ ናይ ደረቕን ፈሳስን ምብጽጻሕን ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዚያን ክህባ ምዃነን’ዩ ተሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ምግዕዓዝ ዘይተጻረየ ነዳዲ ልዕል ኣበርክቶ ክገብራ ተስፋ ተነቢሩለን ኣሎ።

እዘን ብኣሜሪካዊ ኩባኒያ Capital Ship Solutions ተነዲፈን፡ ብናይ ኬንያ ኩባንያ ዝተሰርሓን፡ ኣህጉራዊ መለክዒታት ዘማልኣን ተሳሓብቲ ጀላቡ፡ ነፍሲወከፈን ክሳብ 2,650 ሓይሊ ፈረስ፡ ናይ ምስሓብ ዓቕሚ ዘለወን ‘የን።

ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ 2,000 ቶን ደረቕ ጽዕነት ከምኡውን ክሳብ 2.5 ሚሊዮን ሊትሮ ፈሳሲ ከመላልሳ ከምዝኽእላ ማሕበራዊ ሜድያ ፌስቡክ ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ፣ ንዳይረክተር ኩባንያ እዝራ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ምክትል ፕረዚደንት ታዕባን ደንግ እቲ መስርሕ ንእዝራ ካምፓኒ ዓቢ ዓወት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብዓቢኡ ድማ ነቲ ብማይ ዝካየድ መጓዓዝያ ደቡብ ሱዳን ዝድርዕ’ዩ ክብል ገሊጹ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ርዋንዳ፣ ኣንጎላን ካልኦት ሃገራትን ኣፍሪቃን ኣብ ገዘፍቲ ወፍርታት ዝነጥፉን ዓበይቲ ኩባንያታትን ዝውንኑ ብዙሓት ኤርትራውያን ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ብኣንጻር እዚ፣ ኣብ ኤርትራ ብኤርትራውያን ኣውፈርቲ ዝውነን ዓበይቲ ኩባንያታት ዘይምህላዉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ናይ ብሕቲ ወፍሪ ዘለዎ ዕጹውን ዓብላልን ፖሊሲታት ዘጉልሕ ምዃኑ’ዩ ዝጥቀስ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0