ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣብ ኤርትራ ዝስልጥኑ ዘለዉ ወትሃደራቱ ብዝቐልጠፈ ናብ ግንባራት ክልኣኹ ይሓትት

Radio Erena: Tuesday, 10 October 2023

ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝጀመሮ ካልኣይ መድረኽ መጥቃዕቲ፣ ከቢድ ስዕረት ዝወረዶ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ስልጠና ዝርከቡ ሰራዊቱ ብዝቐልጠፈ ናብ ግንባራት ከዋፍሮም ይሓትት ከምዘሎ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ብ08 ጥቅምቲ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ፕረዚደት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ እብ ዝገበሮ ርክብ’ውን ኣብዚ ዛዕባ’ዚ ከምዝዘተዉ ማዕከን ዜና ሒራን ጠቒሳ።

ኣብ ግንባራት ከቢድ ስዕረት ዝወረዶ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ፣ ስትራቴጃዊ ከባቢታት ክሓድግ ተገዲዱ’ዩ።

ፕረዚደንት ሓሰን፣ ኣብ ዞባታት ሒርሸበሌ፣ ጋልምዱግን ሂራንን ንዝርከብ ሰራዊት ሞራል ንምሃብድ ዑደት ድሕሪ ምክያዱ’ውን ኣልሸባብ ብዝቐጸሎ ጸረ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሰራዊት ተወሳኺ ክሳራታት ከምዘስዓበ’ዩ ተገሊጹ።

ካብ ኣልሸባብ ከቢድ ብድሆታት ገጢምዎ ዘሎ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ምውጻእ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ክደናጎ ‘ውን ብወግዒ ሓቲቱ።

ሰራዊተን ኣብ ሶማል ኣዋፊረን ዝርከብ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ጂቡቲ፣ ብሩንዲን ኬንያን ንጻውዒት መንግስቲ ሶማል ብምቕባል፣ ምስሓብ ሰራዊተን ካብታ ሃገር ንሰለስተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ተሰማሚዐን።

ፕረዚደንት ሓሰን፣ ኣቐዲሙ፣ ሶማል ኣብ 2024 ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከምእትኸውን’ዩ ተመባጺዑ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ክሳብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ 2024፣ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዝርከብ ልዕሊ 20 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ጠቕሊሉ ክወጻእን፣ ነዚ ብዝሒ ድማ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ብዝስልጥን ዘሎ ሰራዊት ሶማል ክትክኦን ምምዳቡ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ኣብዚ ተጀሚሩ ዘሎ ካልኣይ መድረኽ መጥቃዕቲ ኣንጻር ኣልሸባብ፣ ካብ ትጽቢትን መደብን እቲ ፕረዚደንት ወጻኢ ብዝኾነ፣ ንሰራዊት ሶማልን መሻርኽቱን ከቢድ ብድሆታት ገጢምዎም ይርከብ።

ስእሊ፦ ካብ ትዊተር ሚኒስተር ዜና ኤርትራ

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0