ኤርትራ፣ ወነንቲ ብሽክለታ ታርጋ ከውጽኡን ግብሪ ክኸፍሉን ዕድሚኦም ድማ ልዕሊ 15 ዓመት ክኸውን ይግደዱ

Radio Erena: Tuesday, 10 October 2023

ኣብ ኤርትራ፣ ዞባ ማእከል፣ ወነንቲ ብሽክለታ ታርጋ ከውጽኡን ግብሪ ክኸፍሉን ይሕተቱ ኣለዉ።

ወነንቲ ብሽክለታ፣ ዓመታዊ 20 ናቕፋ ግብርን ዘይከፈልዎ ውንዙፍ ዕዳን ክኸፍሉ ይሓትት ከምዘሎ፣ ንጨንፈር ሕግን ስርዓት ዞባ ማእከል፣ ብምጥቃስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣፍሊጣ።

እታ ጋዜጣ፣ ኣብ ናይ ቀዳም 07 ጥቅምቲ ሕታማ ብዘስፈረቶ ዜና መሰረት፣ መራሕቲ ብሽክለታ ዕድሚኦም ካብ 15 ዓመት ንላዕሊ ክኸውን ተደሪቱ ኣሎ።

ነዚ መምርሒ’ዚ ዘየተግበረ ከቢድ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ከምዝብየነሉ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኮሎኔል ተስፋሚካኤል ተስፋጽዮን ኣጠንቂቑ።

ኣብ ዞባ ማእከል፣ ኣስታት 41 ሽሕ ብሽክለታታት ከምዘለዋ ‘ዩ ጸብጻብ እቲ ጨንፈር ዘመልክት።

ብሽክለታ፣ ካብ ብከላ ናጻ ዝኾነትን ኣብ ጥዕና’ውን እወታዊ ኣበርክቶ ዘለዋን ተሽከርካሪት ብምዃና፣ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም፣ ዜጋታትን ኣብ መጓዓዝያ ክጥቐሙለን ከተባብዓን ሞቕሽሽ ክህባን ይርኣ’የን።

ብኣንጻር እዚ ኣብ ኤርትራ፣ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ፣ ታርጋን ግብሪን ዝኣመሰለ መሰናኽላት ብምፍጣር፣ ብሽክለታ ብፖሊስ ትራፊክ ክግፈፋ ልሙድ ተርእዮ’ዩ።

ጨንፈር ሕግን ስርዓት ዞባ ማእከል፣ ወነንቲ ዓረብያ ፈረስ’ውን ታርጋ ከውጽኡን ዓመታዊ 120 ናቕፋ ግብሪ ክኸፍሉን ይጽውዕ ኣሎ።

ምስ ምንቖልቛል ህዝባዊ መጓዓዝያ ብዝሐን እናዛያደ ዝመጽአ ኣገልግሎት ዓረብያ ፈረስ፣ ኣብ ዞባ ማእከል፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ታርጋ ዝሓዘ 820 በጺሐን ምህላወን እቲ ጨንፈር ጠቒሱ።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0