ኣብ ከባቢ ኣስመራ፣ ብኩባንያ ቻይና ዝካየድ ፕሮጀክት ዕደና ኣብ ነበርቲ እቲ ሻቕሎት ፈጢሩ

Radio Erena: Tuesday, 10 October 2023

ብቻይናዊ ኩባንያ ክካየድ ኣብ መስርኽ ዘሎ ፕሮጀክት ዕደና ኣስመራ፣ ኣብ ነበርቲ ከባቢ’ቲ ዓድታት ሻቕሎት ከምዝፈጠረ ተሓቢሩ።

ተወላዶ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ግዱሳት ናብ ራድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎ ጽሑፍ፣ ብመጀምርያ ዕደና ዝተኻየደሎም ከባቢታት ኣብ ርሕቅ (ውስን) ዝበሉ ከም ቢሻን ዛራን ዝኣመሰሉ፣ ብዙሕ ሰብ ዘይነብረሎም ቦታታት እኳ እንተኾኑ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ግን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ከም እምብደርሆ፡ ዓዲ ንፋስን ድባርዋን ዝኣመሰሉ ከባቢታት እቲ መስርሕ ብሰፊሕ ጀሚሩ ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም።

እዚ ናይ ኣስመራ ከባቢታት ህዝቢ ብጻዕቂ ዝነብረሉ ብምዃኑ፡ ነቲ በቲ ናይ ዕደና መስርሕ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤናት ጉሉሑን ተኣፋፍን ከምዝገብሮ ስክፍትኦም ገሊጾም።

መስርሕ ዕደና፡ ምቡሕጋግ መሬት፡ ምብካል ማይን ኣየርን ዘኣመሰለ ኣከባብያዊ ሳዕቤናት ዘለዎ ኮይኑ፣ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ ልዕሊ ጥዕና ደቂሰብ፣ እስሳታትን ኣትክልትን ዘኸትሎ ጉድኣት ከቢድ ብምዃኑ፣ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ዓቢ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ምህላዎም ኣተሓሳሲቦም።

ዕደና ወርቂ ብኣዝዩ ጥንቁቅን ውሕሉሉን ኣገባብ እንተዘይተታሒዙ ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣከባብን ከውርዶ ዝኽእል ዕንወት ግሉሕ ስለዝኾነ፣ መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ወፍሪ ቅድሚ ምክያዱ ንኹሎም እንተታት ክዳለወሉን ክውሰዱ ዝግብኦም ቅድመ ጥንቃቀ ክሰርዕን ይግባእ ክብሉ’ውን እቶም ዜጋታት ጠቒሶም።

ብዓቢኡ ድማ ህዝቢ ብጻዕቂ ዝነብረሎም ከባቢታት ገዚፍ ናይ ዕደና ወፍሪ ብፍጹም ክሕሰብ ውን ከምዘይግባእ ‘ውን ኣስሚረሙሉ።

ይኹን’ምበር ምስ ቻይናዊ ኩባንያ ናይ ኣስታት 40% ብርኺ ወይ ሽርኻ ኣትዩ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ነበርቲ ዓድታት ከባቢ ኣስመራ ከይተላዘበን እኹል መጽናዕቲ ከየካየደን፣ ከምኡ ድማ ቅድመ ምድላዋት ኣብ ግምት ዘየእተወን ፍጹም ዘይሓላፍነታውን ዕደና ፕሮጀክት ኣስመራ ምጅማሩ፣ ኣብ ህዝብና ከስዕቦ ዝኽእል ዕንወት ብቀሊል ክግመት ዝኽእል ኣይኮነን ክብሉ ስክፍትኦም ገሊጾም።

 

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0