ፕረዚደንት ሶማል፣ ንኤርትራን ጅቡቲን ንምትዕራቕ ክሰርሕ ምዃኑ ተገሊጹ

ፕረዚደንት ሶማል፣ ንኤርትራን ጅቡቲን ንምትዕራቕ ክሰርሕ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 16 August 2018

Djibouti Somalia

ሶማል፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ንዘሎ ምስሕሓብ ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ክትሰርሕ ምዃና ንምንጭታት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማል ብምጥቃስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ካብ ሞቛድሾ ሓቢረን። 

ሎሚ ሓሙስ 16 ነሓሰ ናብ ጅቡቲ ኣትዩ ዘሎ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ሓድሽ ምዕባለተት እቲ ዞባን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ክዘራረብ’ዩ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን፣ ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ብኢትዮጵያ ኣቢሉ፣ ኣብ ሶማል ዘካየድዎ ናይ ሳልስቲ ዑደት ዛዚሙ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝተመልስሉ’ዩ፣ ፕረዚደንት ሶማል ናብ ጅቡቲ ኣምሪሑ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓል ዝጽውዕ መንግስቲ ሶማል፣ ዝወሰዶ ሃንደበታዊ መርገጺ ንጅቡቲ ስለዘየሓጎሳ፣ ኣብ ሞቛድሾ ንዝርከብ ኣምባሳደር ጅቡቲ ጸዊዓ ከምዘዘራረበት ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

መራሕቲ ሶማልን ጅቡቲን፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ሒዞሞ ዘለዉ ዝተፈላለየ መርገጺታት፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዝምድና ክልትኤን ሃገራት ብዝምልከት ክመያየጡ’ዮም።

ኢትዮጵያ’ውን ኣብ መንጎ ጅቡቲን ኤርትራን ንዘሎ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ተበግሶ ወሲዳ ከምዘላ ይፍለጥ።

ቅድሚ ሳልስቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር ወርቅነይ ገበየሁ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ዑመር ገለ ተመሳሳሊ ዝርርባት ምክያዱ ይዝከር።

ጅቡቲ፣ ብኤርትራ ዝተወረረ መሬታ ከምዘሎን፣ ኣብቲ ናይ ግንቦት 2008 ኵናት ደሃዮም ዝጠፍኡ ምሩዃታ ሓበሬታ ክወሃባን ብምጥላብ፣ እቲ ጉዳይ ብሕቡራት ሃገራት ክፍታሕ’ያ ትጽውዕ ዘላ።

እንተኾነ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ምላሽ የለን።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0