ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ዓሰብ ኣዋፊራ ከምዘላ ተሓቢሩ

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ዓሰብ ኣዋፊራ ከምዘላ ተሓቢሩ

Radio Erena: 17 August 2018

Wing Loong

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብዘይሰብ ዝበራ ነፈርቲ ኣብ ዓሰብ ኣዋፊራ ከምዘላ ኣብ ወትሃደራዊ ስለያ ዝነጥፍ መርበብ ጄንስ ዲፈንስ ዊክሊ ብ15 ነሓሰ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ እተን ስርሓት ቻይና ዝኾና ‘ዊንግ ሎንግ 2’ ዝተባህላ፣ ብዘይሰብ ዝበራ ነፈርቲ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዓሰብ ሃንገራት ተሰሪሑለን ከምዘሎ ካብ ሳትላይት ንዝረኸቦ ኣሳእል ብምውካስ ገሊጹ።

ኣቐዲሙ፣ ሚራዥ ዝተባህላ ዝርከብአን ዝተፈላለያ ነፈርቲ ውግእ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዓሰብ ተዋፊረን ከምዘለዋ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ወደብ ዓሰብ መራኽብ ኵናት ተዋፍር’ያ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምስ ስዑዲ ዓረብ ብሓባር ኣብ ኣብ የመን ኣብ እተካይዶ ዘላ ደብዳባትን መጥቅቃዕትን፣ ንመዓርፎ ነፈርትን ወደብ ዓሰብን መናሃርያ ትጥቐመሉ ከምዘላ ይግለጽ።

ነፈርቲ ውግእ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ደቡባዊ የመን ኣብ ዘካየድኦ ደብዳብ፣ ብኣውቶቡስ ይጓዓዙ ዝነበሩ ልዕሊ 40 ቆልዑ ዝርከብዎም ኣስታት 50 ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም’ዮም።

በዚ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ደብዳባት፣ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣማኢት ኣሽሓት ከኣ ካብ መነባብርኦም ከምዝተመዛበሉን ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0