2% ንዝኸፍሉ ደገፍቲ ህግደፍ፣ ብውክልና ካብ ወጻኢ ከእትውዎ ንዝጸንሑ ንብረትን ሃለኽቲ ነገራትን ዝእግድ መምርሒ ተመሓላሊፉ

2% ንዝኸፍሉ ደገፍቲ ህግደፍ፣ ብውክልና ካብ ወጻኢ ከእትውዎ ንዝጸንሑ ንብረትን ሃለኽቲ ነገራትን ዝእግድ መምርሒ ተመሓላሊፉ

Radio Erena: 16 August 2018

eribloodብመሰረት እዚ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ተመሓላሊፉ ዘሎ መምርሒ፣ ኣብ ወጻኢ ንዝነበሩን ክልተ ካብ ሚእቲ ንዝኸፍሉን ደገፍቲ ህግደፍ ጥራይ ዝፍቀድ ዝነበረ፣ ንብረትን ሃለኽቲ ነገራትን ናብ ውሽጢ ሃገር ብውክልና ከእትዉ ዝፈቅድ ሓለፋ ደው ኢሉ ኣሎ።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ፣ ክልተ ካብ ሚእቲ ናይ ዝኸፈልሉ ሰነዳት ብምቕራብ፣ ከም ፍሪጅን ቲቪን ዝኣመሰለ ንብረት ይኹን ከም ዘይቲ፣ ፓስታ፣ ጸባን ካልእ መግብታትን ሃለኽቲ ነገራትን፣ ብበራሚል እናዓሸጉ ብውክልና ክልእኹ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ፣ እዚ ሓለፋ’ዚ፣ ንዘይሕጋዊ ንግዲ የተባብዕ ኣሎ ተባሂሉ፣ እቲ ብውክልና ዝግበር መስርሕ ምልኣኽን ምቅብባልን ደው ከምዝበለ ይግለጽ።

እዞም ኤርትራውያን ናብ ሃገር ኣብ ዝኣትውሉ ግና፣ ባዕላቶም ዝተወሰነ ዓቕንን ብዝሕን ክማልኡ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝሕበር።

ካብ ወጻኢ ሃገራት ናብ ኤርትራ ንዝኣትዉ ደገፍቲ ህግደፍ፣ ህዝቢ ብመሳርዕን ከርተትን ብኩፖን ንዝረኽቦ ከም ላምባ፣ ጋዝን ካልእ ሃለኽቲ ነገራትን፣ ብዘይ ኮልል ከምዝወሃቦም ይፍለጥ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0