ፕረዚደንት ሶማል፣ ቅድሚኡ መራሕቲ እታ ሃገር ምስ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነበር ንምምኽኻር ዝዓለመ ዋዕላ ኣካይዱ

Radio Erena: Thursday, 13 July 2023

ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ቅድሚኡ መራሕቲ እታ ሃገርን መንግስቲን ምስ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነበር ንምምኽኻር ዝዓለመ ዋዕላ፣ ብ12 ሓምለ ምክያዱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ፕረዚደንት ነቲ ናይ ምኽኻር ዋዕላ ዝወደበ፣ ኣልሸባብ ንምድምሳስ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ንምዕዋትን ዝቕጽል ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል፣ ብቀጥታ ብህዝቢ ክኸውንን ኣብ ዝብሉ ዓበይቲ ጉዳያት እታ ሃገር ንምምይያጥ’ዩ።

ኣብቲ ፕረዚደንታት ፣ ቀዳሞት ሚኒስተራት፣ ኣባላት ፓርላማን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነበርን ጸለውቲ ፖለቲከኛታትን እታ ሃገር ዝሳተፍዎ ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፣ ኣብ ሃገራዊ ምርጫን ህንጸት ሃገርን ዘተኮረ ናይ ቅዋም ጽገናታት ንምክያድ እትመክር ኮሚቴ ንምቛም’ውን ዝዓለመ ምዃኑ መርበብ ዜና ጋሮወ ጠቒሳ።

ክሳብ መወዳእታ 2024 ሶማል ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከምእትኸውን ቃል ኣትዩ ዘሎ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ነቲ ብኣባላት ባይቶን ብኮታን፣ ብተዘዋዋሪ ክምረጽ ዝጸንሐ ፕረዚደንት፣ ኣብ 2026 ብቀጥታ ብህዝቢ ከምዝምርጸ ክገብሮ ምዃኑ ይገልጽ።

ሶማል፣ ዋላ’ኳ ጸጥታዊ ርግኣት ዘይብላ ሃገር እንተኾነት፣ ነዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ምርጫ ኣባላት ባይቶን ፕረዚደንትን ከተካይድ ጸኒሓ’ያ።

ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2017 ዝተኻየደ ምርጫ ፕረዚደንት፣ እታ ሃገር፣ ብተደጋጋሚ ዕንቕፋት ክኾና ንዝጸንሐ ስልጣን ናይ ምስግጋር መስርሕ ብዓወት ክትሓልፎ ምኽኣላ ይግለጽ።

ኣብ 2026 ኣብ ዝካየድ ምርጫ ህዝቢ ሶማል፣ ብዘይዝኾነ ናይ ጸጥታን ካልእን ጸገማት፣ ብቀጥታ ፕረዚደንት ክመርጽ እንተኽኢሉ፣ እታ ሃገር ንብዙሓት ካልኦት ተስፋ ትንሳኤን ሞኮራሲን ክትከውን ከምእትኽእል ተንተንቲ ይገልጹ።

ካብ 1969 ኣትሒዛ፣ ቀጥታዊ ምርጫ ፕረዚደንት ተኻይዱላ ዘይፈልጥ ሶማል፣ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ምልኪ ኣብ 1991 ናብ ሕንፍሽፍሽን ኵናት ሓድሕድን ምውዳቓ መዛግቲ ታሪኽ የመልክት።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0