ናይ ግዳም ሓይልታት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢዶም ካብ ምእታው ክቑጠቡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተላብዩ

Radio Erena: Thursday, 13 July 2023

ወጻኢ ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢደን ካብ ምእታው ክቑጠባ ፕረዚደንት ኢሰያስ ተላብዩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብ13 ሓምለ፣ ኣብ ግብጺ፣ ከተማ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ህዝቢ ሱዳን ጉዳዪ ባዕሉ ክፈትሕ ዕድል ክወሃቦ,ትእትታው ናይ ግዳም ክእለን ኣለዎ ክብል ከምዘተሓሳሰበ፣ ብቋንቋ ዓረብ እትዝርጋሕ መርበብ ዜና ሻርቕ ኣል ኣውሰጥ ኣስሚራትሉ።

ኣብ ግብጺ ዝተኻየደ ዋዕላ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን፣ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ጉዳዩ ባዕሉ ክዋሳእ ዕድል ዝህብ ናይ መጀመርያ ናይቲ ነዊሕ መስርሕ ክኸውን ዘለዎ ተስፋ ምግላጹ’ውን እቲ መርበብ ዜና ጠቒሱ።

ብፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ዝተወደበ፣ ብሓሙስ 13 ሓምለ፣ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጎረባቲ ሃገራት ሱዳን፣ መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ቻድ፣ ሊብያን ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን ተሳቲፎም።

ምስ ሸውዓተ ሃገራት ኣብ እትዋሰን ሱዳን፣ ሳልሳይ ወርሑ ኣቝጺሩ ዘሎ ኵናት ክልተ ተጻረርቲ ወትሃደራውያን ሓይልታት፣ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክርከበሉ እንተዘይክኢሉ፣ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣሉታዊ ጽልዋታት ክፈጥር ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ።

ዕላማ’ቲ ኣብ ግብጺ ዝተኻየደ ዋዕላ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን’ውን፣ ኣብዚ ዛዕባ’ቲ ዘተኮረ ምዃኑ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣነጺሩ።

ኣቐዲሙ ብ10 ሓምለ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብምትኳር፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ ዋዕላ ኣርባዕተ ኣባላት ሃገራት
ኢጋድ፣ ብኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ተነጺጉ’ዩ።

ናይ ኢጋድ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ክመርሕ ዝተመዘዘ፣ ፕረዚደንት ኬንያ፣ ዊልያም ሩቶ ምስ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት፣ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝወገነ’ዩ ብምባል’ዩ ጀነራል ኣልቡርሃን ነጺግዎ።

ቅድሚ’ቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዋዕላ ኢጋድ፣ ብ08 ሓምለ ናብ ኣስመራ ምብጻሕ ዘካየደ፣ ምክትል ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ማሊክ ኣጋር፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ምምይያጥ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ ኤርትራ፣ ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ጻዕርታት ከምዘይትድግፍን ከምዘይትሳተፍን ኣረጋጊጹ ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ራብዕቲ ድሕሪ’ቲ ምስ ምክትል ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዘካየዶ ምምይጥ ድማ’ዩ፣ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን ንምስታፍ፣ ብ12 ሓምለ ናብታ ሃገር ኣትዩ።

ብዕድመ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ናብ ግብጺ ዘምርሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ናብታ ሃገር ኣብ ዝኣተወሉ ሚኒስተር ስፖርትን ባህልን’ዩ ተቐቢልዎ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0