ኢትዮጵያ፣ ምጭዋይ ሰባት ግኑን ተርእዮ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፣ ሓደ እስራኤላዊ ተታሒዙ ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: Thursday, 13 July 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ሰባት እናጨወኻ፣ ስድራቤታቶም ገንዘብ ክኸፍሉ ምግዳድ ግኑን ተርእዮ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሓደ እስራኤል’ውን ተታሒዙ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣፍሊጡ።

እቲ ወዲ 79 ዓመት ምዃኑ ዝተጠቐሰ እስራኤላዊ፣ ናብ ክልል ኣምሓራ፣ ከተማ ጎንደር ክበጽሕ ኣብ ዝገሸሉ’ዩ ሃለዋቱ ጠፊኡ ጸኒሑ።

ዝሓለፈ ሰሙን ግና ብድምጺ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኣብ በረኻ ብዕጡቓት ተታሒዙ ከምዘሎን፣ ብህይወት ንክወጽእ፣ ስድራቤታቱ ገንዘብ ብምውጻእ ክልእክሉን ሓቲቱ ኣሎ።

ኤምባሲ እስራኤል፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ከባቢ ጎንደር ተጨውዩ ዝበሎ ዜጋኡ ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዘራረብ ኣሎ።

ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ከባቢታት ጎንደርን መተማን፣ ዕጡቓት ሰባት እናጨወዩ፣ ስድራቤታቶም ካብ 300 ሽሕ ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ብር ክኸፍሉሎም የገድድዎም ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ።

ዛጊት ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ከምዝተጨወዩን፣ መንነት ጨወይቶም ድማ ክፍለጥ ከምዘይክኣለን ዘመልከተ እቲ መርበብ ዜና፣ ዝተሕእተትዎ ገንዘብ ክኸፍሉ ዘይክኣሉ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ግና ከምዝተቐትሉ ንስድራቤታት ግዳያት ብምውካስ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከባቢታት ሰሜን ሸዋን ካልእ ዞባታት ክልል ኦሮምያን’ውን፣ ኣምኢት ሰባት ተጨውዮም፣ ብህይወት ንኽወጽኡ ስድራቤታቶም ገንዘብ ክኸፍልሎም ይሓቱ ምህላዎም ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ቲ ንህዝቢ ኣሻቒሉ ዘሎን ማዕከናት ዜና ብሰፊሑ ዝዛረባሉ ዘለዋን፣ ግኑን ተርእዮ ኮይኑ ምጭዋይ ቆልዑ ዝርከብዎም ሰባት ብዝምልከት ዛጊት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0