ፕረዚደንት ሶማልያ: ብምግባት መሬት ንኢትዮጵያ ይኸስስ

Radio Erena: Monday, 19 February 2024

ኣብ ዋዕላ ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝበጽሓ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ኢትዮጵያ መሬት ሶማልያ ክትግብት ትሕልን ከምዘላ ከሲሱ::

ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ሶማሊላንድ ግዝኣት ሶማልያ ከምዝኾና ብዓለምለኻለዊ ሕጊ ፍሉጥ ኣብ ልዕሊ ምኳኑ ምምሕዳር ኣቢይ ኣሕመድ ልኡላውነት ሃገሩ ይጥሕስ ከምዘሎ ገሊጹ::

ሶማሊላንድ ኣካል ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ምኳን ኣቢይ ኣሕመድ ሕጊ ጥሒሱ ስምምዕ ምግባሩ መግዛእታዉ ሓድነት ሶማልያ ከምዝጠሓሰ ሓቢሩ::

ፕርዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ መዘንኡ ሙራሒ ጅቡቲ ኢስማዒል ዑመር ገለ ኣብ ኣኺባ ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳተፉ ምሉእ መስልኳ እንተሃለዎም ሰብ መዚ ኢትዮጽያ ናብ ሃገር ከይኣትዉ ሓያሎ ዕንቅዳት ከምዝተገብረሎም ተገሊጹ::

ሓውሲ ምኽልካእ ወይ ምትዕንቓፍ እዞም መራሕቲ ካብ ምስታፍ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዙሕ ሕቶታት ከምዘልዕልን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከም ናይ ማእከል ስሕበትን ርእሰ ከተማን ኮይና ክትቅጽል ዘተሓሳስብ ምኳኑ ይግለጽ ኣሎ::

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0