ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ጎደናታት ከተማ ሄግ

Radio Erena: Monday, 19 February 2024


ከተማ ሄግ(ደን ሃግ) ንልዕሊ ሓደ ዘመን ከም ዓለምለኻዊት ማእከል ፍትሕን ሰላምን እያ ትፍለጥ::

ኣብዛ ከተማ ሃገራት ፍልልያተን ኲናት ዘይኮነ ብዝርርብን ፍርዳዊ ፍትሕን ክዳነያ እየን ዝመጻ::

ሄግ ላዕለዎት ኣብያተ ፍርዲ ፍትሒ ዝርከቡላ ዝተኸብረት ከተማ ኣብ ልዕሊ ምኳና ንጉስ ኔዘርላንድ ዝቕመጠላን ዝሰርሓላን ኤምባሲታትን ዳፕሎማሰኛታት ዝርከቡላንውን እያ::

ብቐዳም 17 ለካቲት ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝተኻየደ ግጭት ግን ገለ ክፋል ጎደናታት እታ ከተማ ናብ ዓውዱ ኲናት ተቐይሩ ከምዝወዓለ ማዕከናት ዜናን ፓለቲከኛታትን ይገልጹ ኣለዉ::

መጀመታ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ተራ ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝካየድ ናዕቢ እዪ መሲሉ ኔሩ: ደሓር ግን ኣብ መንጎ ብነዊሕ ኢድ (long arm) ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዝዝወሩ ኣብ ዓድና ክንነብር ኣይከኣልናን ኢሎም ዑቕባ ዝሓተቱን ኣንጻሮም ዝተላዕሉ ደቂ ዓዶምን ምኳኑ ከምዝተፈልጠ ማዕከ ዜና ኔዘርላንድ ቲይምስ ትሕብር::

ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኸይድ ዝነበረ ግጭት ከንቲባ ከተማ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ክጥቀሙ ከፍቅድ እንከሎ ገለ ፖለቲከኛታት ድማ ጎደናታት ሃገርና ንምንታይ ኣብዚ ደረጃ ወዲቑ ክብሉ ይዛረቡ ኣለዉ::

ጸረ ስደቱኛታት ዝኾነ ዝንገረሉ ሕሉፍ የማናዊ ጊልት ዊልደት‘ ‘ንምንታይ ፍርቂ ህዝቢ ዓለምና ብ ሃገርና ክመጽእ ተፈቒድሉ? : ንምንታይ ጎደናታትና ብስደተኛታት ክሕመስ ኢድና ኣጣሚርና ንዕዘብ: ንምናታይ ፖሊስ ይህረሙ: ኢሉ ሕቶ ብምቕራ ቀዳማይ ሚኒስተ ኮይነ እንተመሪጸ እዚ ሽግርና ክፈትሖ እየክብል ፖለቲካ ሰሪሑ::

ወግዓዊ መንግስታዊ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ኣብ ኔዘርላንድስ ኣስታት 26,000 ኤርትራውያን ይቕመጡ ኣለዉ::

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0