ኣመሪካ፣ ከተማ ቻርሎት፣ ብህግደፍ ንዝተወደብ ምትእክኻብ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ሸሞንተ ሰባት ተኣሲሮም

Radio Erena: Tuesday, 20 February 2024

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣብ ሰሜን ካሮላይና፣ ከተማ ቻርሎት፣ ብስም ብርጌድ ንሓመዱዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ብምኽንያት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቕል፣ ብደገፍቲ ህግደፍ ንዝተወደብ ናይ ምትእኽኻብ ኣጋጣሚ ንምብታን ኣብ ዘካየድዎ ተቓውሞ፣ ኣብ ዝተራእየ ጎነጽን ናዕብን፣ ሸሞንተ ሰባት ተኣሲሮም።

ኣብቲ ብቀዳም 17 ለካቲት ዝተኻየደ ተቓውሞ፣ ናብ ፖሊስ ኣእማንን ኣባትርን ከምዝተወርወረ ዝጠቐሰ እቲ ምንጪ፣ ሓንቲ ትራክተርውን ከምዝተቓጸለት ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ምስ ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ ብምዃን፣ ነቲ ኩነታት ንምርግጋእ ከምዝሰርሑዩ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዕለትቲ ኣብ ኔዘርላንድስ፣ ከተማ ዘ ሄግውን፣ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ንዝተኣኻኸቡ ደገፍቲ ህግደፍ ንምብታን ኣብ ዝተጓሃሃረ ናዕብን ዕግርግርን፣ ናይ ፖሊስ መካይንን ኣውቶቡስን ከምዝተቓጸላ ይፍለጥ።

ነቲ ዕግርግር ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተኮሰ ዝሓበረ ፖሊስ ኔዘርላንድስ፣ ብናዕቢ ንዝኸሰሶም ኤርትራውያን ኣብ ምህዳን ከምዝርከብ፣ ካብታ ሃገር ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበሬታ የመልክት።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0