ፕረዚደንት ርዋንዳ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ጸጥታን ካብ ስልጣኖም ብምእላይ ብሓደስቲ ዝተክኣሉ ምኽንያት፣ ‘ስግኣት ዕልዋ’ዩ’ ተባሂሉ

Radio Erena: Friday, 09 June 2023

ፕረዚደንት ርዋንዳ፣ ፖል ካጋመ፣ ን14 ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ጸጥታን ካብ ስልጣኖም ብምእላይ፣ ብሓደስቲ ከምዝተክኦም ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

ኣብ ርእሲ’ዚ; እቲ ፕረዚደንት፣ 116 ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ዝነበሩ ወትሃደራውያን መኮንናት ካብ መዝነቶም ኣልዩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ንጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን፣ ሚኒስተር ምክልኻልን ዝርከቦም ላዕለዎት ወትሃደራውያን መኮንናትን ሰበ ስልጣናትን፣ ብሃንደበት ካብ ስልጣኖም ዝኣለየሉ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

እንተኾነ፣ ምስቲ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ተጓሃሂሩ ዘሎ ኵናት ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ይእምቱ።

ሓያሎ ካብቶም ካብ ስልጣኖም ዝተኣልዩ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ንዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ ስርሒታት ክመርሑ ዝጸንሑ’ዮም።

ርዋንዳ፣ ብ M23 ንዝፍለጡ ዕጡቓት ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ብምድጋፍ፣ ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር፣ ኣብ ዝርከብ ዞባ ጎማ፣ ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲ መጥቃዕቲ ከተካይድ’ያ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ ፕረዚደንት ካጋመ ንላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣናቱ ሰጕጉ ዘሎ።

ኡጋንዳ፣ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ብወገነን፣ ንመንግስቲ ኮንጎ ብምድጋፍ፣ ኣቐንዲመን ኣብቲ ዞባ ኣንጻር ዕጡቓት M23 መጥቃዕቲ የካይዳ ምህላዋን ይግለጽ።

እዘን ሃገራት፣ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ነቲ ምስ ኡጋንዳ ዝዳወብ ከባቢታት ብምቑጽጻሩ፣ ካብን ናብን ጎረባብቲ ንዝካየድ ዝነበረ ንግዳዊ ልውውጥ ኣሰናኺሉ ብምባል’የን ኣንጻሩ ጥሙር መጥቃዕቲ ዘካይዳ ዘለዋ።

ብፍላይ ኡጋንዳ፣ ፕረዚደንት ካጋመ ነቶም ዕጡቓት ብምድጋፍ ኣንጻር ረብሓኣ ይሰርሕ ከምዘሎ ትወቕስ።

ኣብ ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ናብ መላእ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ከይልሕምን ቀቢላዊ ጎነጽ ከየለዓዕልን ይስጋእ።

ንርዋንዳ፣ ን29 ዓመታት ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት ፖል ካጋማ፣ ስልጣኑ ብውሕሱን ደሞክራስያዊ ኣገባብን ናይ ምስግጋር መደብ ከምዘይብሉ ዝጠቕሱ ተንተንቲ ብውገኖም፣ ኣካይድዎ ዘሎ ምብታን ናይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ጸጥታን፣ ምስ ኵናት ኮንጎ ተተሓሒዙ ክስዕብ ካብ ዝኽእል ወትሃደራዊ ዕልዋ ብምስጋእ ምዃኑ የረድኡ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0