ኤርትራ፡ ብሸፈነ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ

Radio Erena: Friday, 09 June 2023

  • ኤርትራ፣ ካብ ኣስታት 5 ሚልዮን ህዝባ፣ እቲ 1.3% ወይ 52 ሽሕ ስባት ጥራይ’ዮም ተጠቀምቲ ኢንተርነት ናይ ምዃን ዕድል ረኺቦም።

ኤርትራ ብደረጃ ኣፍሪቃ እታ ዝተሓተ ሸፈነ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር ምዃና፣ ካፒታል ቢዝነስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

ሓላፊት መሸጣን ርክባትን ኣብ ትካል ማይክሮሶፍት ማእከል ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ታቢዝ ሚየና፣ ኣብቲ ኣብ ቴክኖሊጂን ንግዲን ዘተኩር መርበብ፣ ብረቡዕ 07 ሰነ፣ ኣብ ዘቕረበቶ ጽሑፍ፣ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ኣፍሪቃ ቅልጡፍ ምዕባለ የርኢ ምህላዉ ሓቢራ።

ኣብ 2000 ዓ/ም ኣብዛ ኣህጉር 1% ዝነበረ መጠን ተጠቃምነት ኣገልግሎት ኢንተርነት፣ ኣብ 2023 ናብ 29% ከምዝሰፍሐ ንጸብጻባት ባንኪ ዓለም ብምውካስ ገሊጻ።

እንተኾነ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሒደት ሃገራት ብዙሕ ገስጋስ ከምዘየርኣያ እቲ ኣብ ካፒታል ቢስነስ ዝሰፈረ ጸብጻብ የመልክት።

ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብ70% ሸፈነ ኣገልግሎት ኢንተርነት፣ ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ፣ ኤርትራ ግና ብኣስታት 1% ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ትርከብ።

ኣህጉራዊ ማሕበር ቴሌኮሚኒኬሽን ኣቐዲሙ ኣብ ዘቕረቦ መጽናዕቲ፣ ኣብ ዓለም ዝወሓደ ተጠቓሚ ኢንተርነት ዘለወን ሃገራት ሰሜን ኮርያን ኤርትራን ምዃነን ምግላጹ ይዝከር።

25 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ሰሜን ኮርያ፣ እቲ ኣስታት 20 ሽሕ ወይ ድማ እቲ 0.1% ጥራይ ኣገልግሎት ኢንተርነት ይርከብ።

ንሰሜን ኮርያ ስዒባ፣ ኣብ ዓለም ዝወሓደ ብዝሒ ተጠቃሚ ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር፣ ኤርትራ፣ ካብ ኣስታት 5 ሚልዮን ህዝባ፣ እቲ 1.3% ወይ 52 ሽሕ ስባት ጥራይ’ዮም ተጠቀምቲ ኢንተርነት ናይ ምዃን ዕድል ረኺቦም።

ኣብ መንጎ ስጳኛን ፈረንሳን ተቐርቂራ እትርከብ ንእሽቶ ሃገረ ኣንዶራ፣ ኣብዛ ዓለምና ካብ ዘለዋ ሃገራት እታ ዝበዝሐ ተጠቃሚ ኢንተርነት ዘለዋ’ያ።

እዛ ሃገር፣ 77 ሽሕ ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ክህልዋ እንከሎ፣ እቲ 98.9% ተጠቃሚ ኢንተርነት’ዩ።

ከም ኣይስላንድን ኖርወይን ዝኣመሰ ሃገራት ስካንዲናቭያን፣ ልዕሊ 98.4% ካብ ህዝበን ተጠቓሚ ኢንተርነት ብምዃኑ፣ እቲ ዞባ ቀዳሚ ቦታ ይሕዝ።

እቲ ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ዝተሓቖፈ ማሕበር ቴሌኮሙኒኬሽን ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ብደረጃ ዓለም ተጠቃሚ ኢንተርነት ናይ ዝኾነ ብዝሒ ህዝቢ 4.54 ቢልዮን ይግምገም።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0