ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ካብ ሃገራት ምዕራብ ክመጽኣ ንዝኽእል ጸቕጢ ንምውጋድ፣ ዋዕላ ብሪክስ ናብ ቻይና ንምስግጋሩ ትዘራረብ ምህላዋ ተሓቢሩ

Radio Erena: Friday, 09 June 2023

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ ዋዕላ ‘ብሪክስ’ ንምትእንጋድ ክትዳሎ ዝጸንሐት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ካብ ሃገራት ምዕራብ ክመጽኣ ንዝክእል ጸቕጢ ንምውጋድ፣ ናብ ቻይና ንምስግጋሩ ትዘራረብ ከምዘላ ፎረይን ፖሊሲ ሓቢሩ።

እቲ ንብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝሓቖፈ ዋዕላ ሓሙሽተ ሃገራት ብሪክስ፣ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ክካየድ ምዃኑ’ያ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፣ ናሎዲ ፓንዶር ሓቢራ።

እንተኾነ፣ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሩስያ፣ ቭላድሚር ፑቲን፣ ብጉዳይ ክሲ ገበናት ኵናት ኣብ ዩክሬይን ተመሓላልፉ ዘሎ፣ ኣብ ዝገሸሉ ሃገር ተተሓሒዙ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ዝብል ትእዛዝ፣ ንደቡብ ኣፍሪቃ ሻቕሎት ፈጢሩላ ብምህላዉ፣ እቲ ዋዕላ ናብ ቻይና ክሰጋገር ተኽእሎ ኣሎ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ንውዕል እቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝኸተመት ሃገር ብምዃና፣ ፕረዚደንት ሩስያ ናብ ሃገራ እንተመጺኡ፣ ናብቲ ቤት ፍርዲ ከተረክቦ ክትግደድ’ያ።

ብኣንጻር’ዚ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት፣ ስርዓተ ዓለምን ሕቡራት ሃገራትን ለውጥታት ክካየድ እትጠልብ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ንትእዛዝ እቲ ቤት ፍርዲ ዕሽሽ ብምባል፣ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዋዕላ ብሪክስ ንምስታፍ ክትቕበሎ ከምእትኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ይጠቕሱ።

ዝበዝሐ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ምትእስሳራ ምስ ሃገራት ምዕራብ ዝኾነ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ነዚ ስጉምቲ እዚ እንተወሲዳ፣ ክወርዳ ዝኽእል ጸቕጢ፣ ተነጽሎን ካብኡ ሓሊፉ’ውን እገዳ ሻቕሎት ከምዝፈጠረላ ዘመልክተ መርበብ ዜና ፎረይን ፖሊሲ ብወገኑ፣ እታ ሃገር ንዋዕላ ብሪክስ ኣብ ቻይና ወይ ድማ ኣብ ጎረቤታ ሞዛምቢክ ከተካይዶ ዝልዓለ ተኽእሎ ከምዘሎ ስሞም ንዘይጠቐሶም ዲፕሎማሰኛታት ብምውካስ ይእንፍት።

ዋዕላ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ብሪክስ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ፕሪቶርያ ከምዝተጋብአ ይፍለጥ።

ሓሙሽተ ሃገራት ብሪክስ፣ ብጠቕላላ ኣስታት 3 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ወይ ድማ ልዕሊ 40% ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና ዝሽፍና እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ቁጠንን ንግዲን ጽግዕተኛ ናይተን ብጉጅለ ሸውዓተ ዝፍለጣ ምትእኽኻብ ሃብታማት ሃገራት ምዃነን ጸብጻባት የመልክት።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0