ፕረዚደንት ሩስያ፣ ኣብ ልዕሊ ዕጡቕ ጉጅለ ዋግነር ተሪር ስጉምቲ ከም ዝወስድ ኣጠንቂቑ

Radio Erena: Sunday, 25 June 2023

ፕረዚደንት ሩስያ ብላድሚር ፑቲን፣ ዕጡቕ ጉጅለ ዋግነር ንዝወሰዶ ስጉምቲ ተሪር ግብረመልሲ ክህበሉ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዘጠንቐቐ፣ ሩስያ ኣብ ዩክሬይን ከተካይዶ ኣብ ዝጸንሐት ኲናት መሪሕ ተራ ክጻወት ምጽንሑ ዝንገረሉ፡ ዋግነር ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለ፣ ኣብ ደቡብ ሩስያ ንእትርከብ፣ ምስ ዩክሬይን ኣብ እተዋስን ሮስቶቭ ኣብ ዝተባህለት ከተማ፣ ንዝተደኮነ ወትሃደዊ እዚ ሰራዊት ሩስያ፣ ብ23 ሰነ፡ ብሓይሊ ድሕሪ ምቑጽጻሩ’ዩ።

ንኣዋርሕ ዝኣክል ሰራዊት ሩስያ ናይ ኣጽዋር ደገፍ ብዘይ ምሃቡን ኣብ ኲናት ብብቕዓት ዘይምስታፉን እናጠቐሰ ክወቅስ ዝጸንሐ መራሒ ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለ ፕሪጎዥያን፡ ሓይልታቱ ነቲ ወተሃደራዊ እዚ ብምቁጽጻር፡ንወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ሩስያ ንምእላይ ናብ ሞስኮ ክግስግሱ ምዃኖም’ዩ ሓቢሩ።

ነዚ ስዒቡ፣ ስራዊት ሩስያ ነቲ ዕጡቕ ሓይሊ ንምዕጋት፣ ንከተማ ሞስኮ ኣብ ናይ ሓለዋ ክቢ ከእትዋ እንከሎ፣ ኣብ ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ንዝርከብ ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ድማ ከምዝተቖጻጸረ ተገሊጹ።

ሰራዊት ሩስያ ብተወሳኺ፡ነቲ ናብ ሰሜን ብምግስጋስ ናብ ሞስኮ ዘምርሕ ዘሎ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ብነፈርቲ ክድብድቦ ጀሚሩ ኔሩ’ዩ።

ፕረዚደንት ብላድሚር ፑቲን ብቐዳም 24 ሰነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝፈጸሞ ተግባር ንሓድነት ሩስያ ዘላሕልሕ ክሕደት’ዩ ክብል ጠቒስዎ።

ነቲ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታውን ንምጭፍላቑን ወሳኒ ስጉምታት ክወስድ ምዃኑ’ውን ኣነጺሩ።

መራሕ’ቲ ጉጅለ ዋግነት ድሕሪ’ቲ ንኣስታት 24 ሰዓታት ዝቐጸለ፣ ናብ ኵናት ሓድሕድ ምስ ሩስያ ከምርሕል ተኽእሎ ኔርዎ ዝተባህለ ስጉምቲ፣ ብስምምዕ ናብ ቤላሩስ ከምዝገዓዘ መርበባት ዜና የመልክታ ኣለዋ።

ይኹን’ምበር እቲ ናይ ዋግነር ተበግሶ፣ ንሩስያ ናብ ሓደሽ መኣዝን ዝጥምዝዝን ምስ ኵናት ዩክሬይን ተተሓሒዙ ካልእ ምልዕዓላት ዘገበግስ ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ ይእምቱ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0