ቢንያም ግርማይ፡ ባሕቲ ሓምለ ኣብ ዝጅምር ቅድድም ብሽክለታ ቱር ዲ ፍራንስ፣ ንጋንትኡ መሪሑ ክሳተፍ’ዩ

Radio Erena: Sunday, 25 June 2023

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ በልጅማዊት ክለብ ኣንተኽማርሸ ቢንያም ግርማይ፡ ካብ ባሕቲ ሓምለ ክሳብ 23 ሓምለ ኣብ ዝካየድ፣ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ቱር ደ ፍራንስ፣ ንጋንትኡ መሪሑ ከም ዝሳተፍ ተሓቢሩ።

ናይ ፈለማ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ዕዉት መድረኽ ቅድድም ጂሮ ዲ ኢታልያ ዝኾነ ቢንያም፡ ኣብዚ ዓመተ 2023 ቱር ደ ፍራንስ፣ ከም ቀንዲ ሸዃኺ ወይ ቮላቲስታ ናይ ጋንትኡ ብምዃን ናይ መድረኽ ዓወትን ክሳብ ዓስራይ ኣብ ዘሎ ደረጃታት ንኽወጽእን እዩ ትጽቢት ተነቢርሉ ዘሎ።

ናይ ቢንያም ዳይሬክተር ስፖርት ዝኾነ ኣከ ቪስቢክ (Aike Visbeek) ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ቀንዲ ስርሑ ኣብ ናይ መድረኽ ሽኳታት ምዕዋት እዩ” ብምባል፡ነዚ ንምትግባር ናይ ቮላታ ልምምዳት ከካይዱ ምቕናዮም ኣረዲኡ።

ቢንያም፣ ነምደበር ቴሌቪዥን ፍራንስ 24 ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፣ ኣብቲ ኣብ ዓለምና ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ቱር ዲ ፍራንስ ምስታፉ “ንዓይን ንሃገረይን ዓቢ ኣጋጣሚ እዩ” ኢሉ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ውድድራት ብሉጽ ውጽኢታት ዘመዝግብ ዘሎ፣ ወዲ 23 ዓመት ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ቱር ደ ፍራንስ ናይ መድረኽ ዓወታት ክረክብ፣ ብተንተንቲ ስፖርት ልዑል ግምት ተዋሂብዎ ኣሎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0