ሶማል ኣብ ልዕሊኣ ጸኒዑ ዘሎ ናይ ኣጽዋር እገዳ ክለዓል ሓቲታ

Radio Erena: Sunday, 25 June 2023

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ጸኒዑ ዝጸንሐ እገዳ ክለዓለሉ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሓቲቱ።

ንሱ ብ22 ሰነ ምስ ወከልቲ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ብምጽዋዕ፡ ልእላውነትና ከነኽብር፡ ግብረሽበራ ብብቕዓት ክንገጥምን ሰላማዊትን ብልጽግትን ሃገር ንኽንሃንጽ ክሕግዘና’ዩ ክብል ኣረዲኡ።

ኩነታት ሶማል ተመሓይሹ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ፕረዚደንት፣ እዛ ናይ 2023 ሶማል፣ እታ ቤት ምኽሪ ጸጥታ እገዳ ዘንበረላ፣ ናይ 1992 ሃገር ከምዘይኮነት ኣመልኪቱ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ምኽባር ጸጥታ ንዝተዋፈረ ልኡኽ ሕብረት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሕ ዘሎ መሓመድ ኢል ኣሚን ሳዉፍ ብወገኑ፣ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ዝያዳ ጸቕጢ ንምፍጣርን፡ ኣንጻሩ ዝተመዝገበ ዓወታት ንምዕቃብን ኣብ ልዕሊ ሶማል ዝተነብረ እገዳ ክልዓለን ኣህጉራዊ ደገፋት ክሕይልን ከም ዝግባእ ብምስማር ንጻውዒት ፕረዚደንት ሓሰን ደጊፉ።

ን ኣልሸባብ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ 2024 ካብ ሶማል ንምእላይ፣ ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽትን ጎረባብቲን ዝሰርሕ ዘሎ መንግስቲ ሶማል፡ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ንዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምትካእ ብ እኹል ብዝሒ ወትሃደራት የሰልጥን ከምዘሎ’ዩ ዝሕብር።

ነዚ ንምሕያል ድማ፣ ኣብ ልዕሊ ሶማል ንልዕሊ 31 ዓመታት ተነቢሩ ዝርከብ እገዳ ኣጽዋር ክልዓልን ሰራዊታ ብዝግባእ ከተዕጥቕን ዕድል ክወሃባ ከም ዘለዎ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ይሰማምዑ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0