ፓሪስ፣ ንኤርትራ ዝገለለ ዋዕላ ሚኒስተራት ጎረባብቲ ሃገራትን መሻርኽትን ሱዳን ተኻይዱ

RADIO ERENA – Thursday, 18 April 2024

መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ዝወደቦ፣ ብሰኑይ 15 ሚያዝያ፣ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰብኣዊ ጉዳያት ሱዳን፣ ብዘይካ ኤርትራን ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ተሳቲፈን።

ኣብቲ ንሱዳን ናይ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ንምውህላል ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፣ ኢትዮጵያ፣ ግብጺ፣ ሊብያ፣ ቻድ፣ ደቡብ ሱዳንን ክሳተፋ እንከለዉ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲን ኬንያን ድማ ከም መሓዙትን ንጡፋት ኣባላት ኢጋድን ተዓዲሞም።

እቶም ሚኒስተራት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ጎኒ ጎኒቲ ናይ ሱዳን ዋዕላ፣ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ብምትኳር ውን ዝተፈላለየ ክልትኣዊ ርክባት ኣሳሊጦም።

ፈረንሳ፣ ንኤርትራን ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን ካብዚ ዋዕላ ዝገለለትሉ ምኽንያት ኣይሓበረትን።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ጀርመን፣ ኖርወይ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብደረጃ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢጋድ ሕቡራት ሃገራትን ድማ ብደረጃ ላዕለዎት ወከልቶም ከምዝተሳተፉ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ኣነጺሩ።

ድሕሪቲ ዋዕላ፣ ንኹሎም ተሳተፊ ዝውከለ፣ ሸሞንተ ነጥብታት ዘጠቓለለ ኣዋጅ ዘውጽአ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፣ ጉዳይ ሱዳን ከምዘይተረሰዐ ብምሕባር፣ ብፍላይ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምርዳእ ብህጹጽ ናይ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ንምውህላል ካብ ዝብል ድሌት እቲ ዋዕላ ከምዝተበገሰ ኣስሚርሉ።

ግጭት ሱዳን ካብ ዝውላዕ ዓመቱ ኣቝጺሩ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ልዕሊ 24 ሽሕ ህዝቢ እታ ሃገር ተጸባይ ረዲኤት ኮይኑ ምህላዉዩ ሕቡራት ሃገራት ዘመልክት።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0