ሱዳን፣ ከም ምሩዃት ተታሒዞም ናይ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ስድራቤት ሓገዝ ይሓቱ

RADIO ERENA – Thursday, 18 April 2024

ካብ ኢትዮጵያ፣ ብመንግዲ ሱዳን ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ 10ታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ብዕጡቓት ሱዳን ከም ምሩዃት ተታሒዞም ይሳቐዩን ይጋፍዑን ከምዘለዉ ስድራቤታቶም ናብ ራድዮ ኤረና ብምድዋል ኣመልኪቶም።

ሓብቱ ንሓደ ካብቶም ኣብ ሱዳን ከም ምሩዃት ኵናት ተታሒዞም ዝሳቐትዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ መልእኽታ፣ ንሳቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝተበገሱ፣ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝነበሩ ተራ ስደተኛታት ምዃኖም ብምጥቃስ፣ ሓዋ ምስ ካልኦት፣ ብ07 ሚያዝያ ብዕጡቓት ተታሒዞም እናተገረፉ ካብ መኪና ክወርዱ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ሱዳን ተዘርጊሑ ከምዝርኣየቶ ኣረጋጊጻ።

መቕርቦም ምስ ሓዋ ተታሒዞም ዝርከቡ ካልኦት ስድራቤታት ውን ኣብ ነርወይ፣ ካናዳን ኢትዮጵያ ከምዝርከቡ፣ ብምሕባር፣ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረ ሰበ ዓለምን ድምጺ ክኾኖምን ዝከኣሎ ክሕግዞምን ጸዊዓ።

እቶም ኤርትራውያን፣ ብሰራዊት ሱዳን ድዮም ወይስ ፈጣን ሓይልታት ዳዕምስ ሰሪዕ ተታሒዞም ዘለዉ ዛጊት ንጹር ሓበሬታ የለን።

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ክተሓጋገዙ እትኽእሉ ወይ ተወሳኺ ሓበሬታ ዘለኩም ናብ newsroom@erena.orgመልእኽታትኩም ይኹን ሓበሬታኹም ብምስዳድ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ምስ ዝርከቡ ስድራቤታት ከነራኽበኩም ከምእንኽእል ንሕብረኩም።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0