ቤልጅዪም ናብ ቀይሕ ባሕሪ፣ መራኽብ ኵናት ንምውፋር ዝነበራ መደብ ሰሪዛ

RADIO ERENA – Thursday, 18 April 2024

ቤልጅዪም ናብ ቀይሕ ባሕሪ፣ መራኽብ ኵናት ንምልኣኽ ዝነበራ መደብ ከምዝሰረዘት ኣፍሊጣ።

እታ ኤውሮጳዊት ሃገር ነቲ መደብ ከምዝሰረዘት ዘፍለጠት፣ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ከተበግሳ ዝዓለመት ልዊዝ ማሪዝተሰምየት ፍሪጌት ዝዓይነታ ናይ ኵናት መርከብ፣ ኣብ እዋን ልምምድ ቴክኒካዊ ጸገማት ከምዘለዋ ስለዝተረጋገጸ ምዃኑ ያ ሓቢራ።

መረበብ ዜና ዲፈንስ ብዘቕረቦ ዝርዝር፣ ድሮናት ክጭምት ዝተዋደደ ሚሳይላት ናይታ መርከብ ስለዝዓከሰ ምዃኑ ጠቒሱ።

ሃገራት ኤውሮጳ፣ ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝንቀሳቐሳ መራኽብ ዘጥቅዕ ዘሎ ሑቲ ናይ የመን ንምግታእ፣ ሓይሊ ባሕረን ብልፍንቲ ክልኣካ ምዃነን ክገልጻ የን ጸኒሐን።

ሓንቲ ካብ መራሕቲ እቲ መደብ ዝኾነት ፈረንሳ፣ ን71 መዓልታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣዋፊራታ ዝጸንሐት ፍሪጌት ዝዓነይነታ ናይ ኵናት መርከብ፣ ተተኳሲ ስለዝወደአት ብዝብል፣ ክትስሕባ ከምዝተገደደት ኣፍሊጣያ።

ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳ፣ ደንማርክን ካልኦትን ንመጥቃዕታት ሑቲ ንምግታእ ጭፍራ ናይ ኵናት መራኽበን ናብ ቀይሕ ባሕሪ ብምውፋር ዛጊት ዘካይድኦ ስርሒታት ምሉእ ብምሉእ ክዕወት ከምዘይከኣለዩ ዝግምገም።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ስርሒት ደው ከየበለት፣ ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ እታ ሃገርን ደገፍታ ዝበለን ሃገራት ምዕራብን ዝጀመረቶ መጥቃዕቲ ከምዘይተቋርስጽ ትገልጽ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0