ፓሪስ፣ ሰብኣዊ ቅልውላው ሱዳን ንምርድእ ዝዓለመ ኣህጉራዊ ዋዕላ ተኻይዱ

RADIO ERENA – Tuesday, 16 April 2024

ግጭት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን ካብ ዝውላዕ፣ ሓደ ዓመቱ ኣብ ዝመልኣሉ፣ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ዘተኮረ ዋዕላ፣ ኣብ ከተማ ፓሪስ ወዲቡ።

ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ 15 ሚያዝያ ዝተኻየደ፣ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ሱዳንን ጎረባብታን ዝተሰምየ ዋዕላ፣ ንሱዳን ዝወከሉ ሲቪካውያን ማሕበራት፣ ትካላት ግብረ ሰናይን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ክሳተፉ እንከለዉ፣ ግጭት ካብ ዘካይዱ ዘለዉ ክልቲኦም ወትሃደራውያን ሓይልታት ግና ኣይተወከሉን።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፣ ስቴፋን ሰጆርነ፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላው ክርሳዕ ከምዘይብሉ ብምዝክኻር፣ ነቲ ዋዕላ ከምዝወደቡ ጠቒሱ።

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምርዳእ ናይ ልዕሊ 2.7 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘድሊ ‘ዩ ዘመልክት።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፣ ካብቲ ኣስታት 50 ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ሱዳን፣ እቲ ፍርቂ ተጸባይ ህጹጽ ረዲኤት ‘ዩ።

ኣብ መንጎ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲን ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታትን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ዛጊት 7.5 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ኣመዛቢሉ ኣሎ።

1.6 ሚልዮን ካብዚኣቶም፣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሃደሙ ኮይኖም መብዛሕቶም፣ ኣብ ቻድን ግብጽን ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ይርከቡ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0