ቀይሕ ባሕሪ፣ ቅርሰና መራኽብ

RADIO ERENA – Wednesday, 17 April 2024

 

ክልተ ኣባላት ቀርሰንቲ ባሕሪ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ መጥቃዕትታት ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ቅርሰና ክምለሱ ምቹእ ባይታ ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም።

እዚ ድማ፡ ኣብ ገማግም ክሊ ባሕሪ ሶማል ዝንቀሳቐሱ ኣህጉራውያን ሓይልታት ባሕሪ ብሰንኪ መጥቃዕትታት ሑቲ ስርሒታቶም ስለዝቐነሱ’ዩ።

ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ዓበይቲ መራኽብ ዝግበር ቅርሰና ባሕሪ ሃዲኡ ብምጽናሕ፣ ካብ ወርሒ ሕዳር 2023 ጀሚሩ ግን ልዕሊ 20 ፈተነታት ከምዝተኻየደ ሮይተርስ ሓቢራ።

ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሑቲ ናይ የመን ይኹን ፈተነታት ቅርሰና ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝግበር ወጻኢታ መድሕን ብዝተዓጻጻፊ ክውስኽ ከምዘገደደ ወከልቲ ኢንዱስትሪ መራኽብ ንሮይተርስ ሓቢሮም።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል ንኣስታት 40 ሰዓታት ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ብሓይልታት ጸጥታ ህንዲ 35 ዕጡቓት ሸፋቱ ባሕሪ ከም ዝተታሕዙ ተገሊጹ።

ክሊ ማይ ሶማል ካብቶም ጽዑቓት መስመራት መራኽብ’ዩ።

ኣብ ዓመት ኣስታት 20 ሽሕ መራኽብ ካብን ናብን ቀይሕ ባሕርን ካናል ሱዌዝን ብወሽመጥ ዓደን ኣቢለን ይሓልፋ።

ብሰንኪ መጥቃዕትታት ሑቲ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘይርጉእ ኩነታት ብምህላዉ፣ መራኽብ ዝገብርኦ ጉዕዞ ብ7 መዓልታት ምንውሑን ናይ ኣሽሓት ዶላራት ወሰኽ ወጻኢታት ከም ዝገበረን ይዝከር።

ንሰለስተ መዓልታት ኣብ መራኽብ ጸጥታ ይኹን ቅርሰና ክከላኸሉ ንምቑጻር ዝወጽእ ወጻኢታት እውን ኣብ ወርሒ ለካቲት ወርሓዊ ካብ 4000 ክሳብ 15000 ዶላር ወሰኽ ኣርእዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0