ሑቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘካይዶ ዘሎ ጽዑቕ ደብዳብ፣ ንመራኽብ ኵናት ፈረንሳ ከንሳሕባ ኣገዲዱ

RADIO ERENA – Tuesday, 16 April 2024

ሑቲ ናይ የመን፣ ብቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዝመላለሳ ናይ ንግዲ ይኹና ወትሃደራውያን መራኽብ ሃገራት ምዕራብን እስራኤልን ዘካይዶ ዘሎ ናይ ድሮንን ሚሳይላትን ደብዳብ ብጻዕቒ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብቲ ኪሊ ማይ ተዋፊረን ንዝነበራ መራኽብ ኵናት ፈረንሳ ከንሳሕባ ከምዘገደደን ተገሊጹ።

ኣልዛስ ዝተሰምየት ፍሪጌት ዝዓይነታ መርከብ ኵናት ፈረንሳ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ን71 መዓልታት ተዋፊራ ዝጸንሐት ኮይና፣ ካብ የመን ንዝውንጨፍ ብዝሒ ሚሳይላትን ድሮናትን ንምክልኻል፣ ዝነበራ ተተኳሲ ስለዝወድኣት ከተንሳሕብ ከምዝተገደደት፣ ኮማንደር ጀሮም ኦንሪ ኣረጋጊጹ።

እታ መርከብ ምስ ጭፍርኣ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ክዋፈራ እንከለዋ፣ ካብ ሑቲ ከምዚ ዓይነት ጻዕቅን ብዝሒን መጥቃዕታት ክፍጽምዩ ዝብል ትጽቢት ከምዘይነበሮም ነቲ ኮማንደር ብምጥቃስ መርበብ ዜና ዘ ክሬድል ሓቢራ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ደንማርክ ብዛዕባ ተን ምስተን ንቀይሕ ባሕሪ ዝተዋፈራ መራኽብ ኵናት እታ ሃገር ብዝተሓሓዝ፣ ንጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር፣ ጀነራል ፍለሚንግ ለንትፈር ካብ መዝነቱ ከምዝሰጎጎ መርበብ ዜና ፖለቲኮ ኣረጋጊጹ።

እቲ ጀነራል፣ ብዛዕባ ተን ኣብ ጎኒ መራኽብ ኣመሪካን ብሪጣንያን ተሰሊፈን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተዋፈራ መራኽብ ኵናት ደንማርክ ዘካየድኦ ስርሒታት፣ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ሃገሩ ብዝግባእ ጸብጻብ ኣየቕረበን ብዝብልዩ ተሰጕጉ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ሑቲ ናብ እስራኤል ዝወንጨፎ ድሮናት፣ ብስርዓት ምክልኻል ዶም፣ ኣብ ባሕሪ እንከሎ ከምዝበርዓነ፣ ዮርሳሌም ፖስት ሓቢራ።

ሑቲ ናብ እስራኤል ድሮናት ከምዝወንጨፈ ዝሕበር ዘሎ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዘካየደቶ ግና ድማ ዒላምኡ ከምዘይሃረመ ዝተገልጸ ጽዑቕ ናይ ሚሳይላተን ድሮናትን ደብዳብዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0