ፊፋ፣ ንኤርትራ፡ ካብ ኣህጉራዊ መሳልል ደረጃታት ሃገራውያን ጋንታታ ገሊሉዋ

Radio Erena: Friday, 03 November 2023

በብእዋኑ ንብቕዓት ኩዕሶ እግሪ ኣባል ሃገራት እናዓየረ ዕላዊ ዝገብር፡ ኣህጉራዊ ፈደረሽን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ (ፊፋ)፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቕምቲ ኣብ ዝዘርግሖ ወርሓዊ መሳልል፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ብተኸታታሊ ንኻልኣይ ግዜ ገሊልዋ።

ኣብ’ዚ ፊፋ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ዘውጽኦ መሳልል፡ ሃ/ጋ/ ኣርጀንቲና ቀዳመይቲ ክትስራዕ ከላ፡ ሃገራውያን ጋንታታት ፈረንሳ፡ ብራዚል፡ እንግሊዝ፡ በልጅዩም፡ ፖርቱጋል፡ ኔዘርላንድስ፡ ስጳኛ፡ ኢጣልያን ክሮኤሽያን ድማ፡ ካብ ካልእይ ክሳብ ዓስራይ ንዘሎ ተርታ ሒዘን።

ኣብ መበል 13 ደረጃ ዝተቐመጠት ሞሮኮ፡ ካብ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ዝለዓለ ጽፍሒ ኣብ ዝሓዘትሉ፡ ሃ/ጋ/ኤርትራ፡ ድማ፡ እታ እንኮ ብቕዓታ ተገምጊሙ ኣብ’ዚ መሳልል ክትኣቱ ዘይከኣለት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና።

ኤርትራ፡ ከም ኩለን ካልኦት ኣባል ሃገራት ህሉው ኩነታታ ብፊፋ ዘይተመመየሉ ምኽንያት፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ብውሕዱ ሓደ ወግዓዊ ግጥም ስለ ዘየካየደት ምዃኑ፡ እቲ ማሕበር ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ ኣነጺሩ።

ንመወዳእታ እዋን ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝተዓየረትሉ፡ ካብ 208 ኣባላት መበል 195 ተርታ ተሰሪዓ ዝነበረት ኤርትራ፡ ብፊፋ ንኻልኣይ ግዜ ትጉሰ ዘላ፡ ዝመጽእ 15 ሕዳር፣ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ፡ ግጥም መጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2026 ከተካይድ ካብ ዝተሰርዓላ መደብ ከምዝሰሓበት ኣብ ዝስምዓሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ስእሊ፣- ፕረዚደንት ፊፋ፣ ጂዮቫኒ ኢንቲፋኖ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ ኣብ 2019 ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0