ወደብ ጂቡቲ ብዝህቦ ኣገልግሎት ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ቀዳሞት 10 ይስራዕ

Radio Erena:Thursday, 02 November 2023

ወደብ ጂቡቲ ብዝህቦ ኣገልግሎታት ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ቀዳሞት 10 ከምዝስራዕ መርበብ ሓበሬታ ማሪን ሎጂስቲክስ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ወደብ ጂቡቲ ምስ ከም በዓል ደርባን ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ታንጄር ናይ ሞሮኮ፣ ፖርት ስዒድ ናይ ግብጺን ሞምባሳ ናይ ኬንያን ዝኣመሰለ ኣብ ዓበይቲ ሃገራት ዝርከብ ወደባት ተነጻጺሩ ኣብ ሻብዓይ ደረጃ ከምዝስራዕ’ዩ እቲ መርበብ ጠቒሱ።

እዚ ወደብ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ድሕሪ ወደብ ሞምባሳ ናይ ኬንያ፣ ብኣገልግሎቱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይስራዕ።

ጂቡቲ ምስዘን ዓበይቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትነጻጸር እንከላ፣ ብብዝሒ ህዝቢ ይኹን ስፍሓታ ዝነኣሰት እኳ እንተኾነት፣ ኣብ ኣገልግሎታት ወደብ ግና ዓበይቲ ወፍርታት ከምእተካይዱ’ዩ ተመልኪቱ።

ኣብ ወደባት ጂቡቲ፣ ዓመታዊ ልዕሊ 800 ሽሕ ቶን ዝግመት ንብረት ዝሓዘ ኮንተይነራት ይራገፍን ይጸዓንን።

ኣስታት 3.4 ቢልዮን ዶላር ዓመታዊ ጃምላዊ እቶት ከምዘለዋ እትግለጽ ጂቡቲ፣ እቲ ልዕሊ 90% ካብ ኣገልግሎታት ወደብ ካብ እትረኽቦ ኣታዊ’ዩ።

እዛ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር፣ ዝበዝሐ ናይ ወደብ ኣገልግሎታታ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ደኣ ይኹን’ምበር፣ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣህጉራዊ ማእከል ሎጂስቲኪስን ዝውዕል ዝተፈላለየ ወፍርታት ኣብ ምትእትታው’ያ ትርከብ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ቻይና፣ ጃፓንን ካልኦትን ንወትሃደራዊ መዓስከራት ናይ ዝጥቀማሉ ዘለዋ ገማግም ባሕራ፣ ዓመታዊ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ይኸፍላኣ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0