ሶማል፣ 100 ሚልዮን ዶላር ልቓሕ ንምርካብ ምስ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ትዘራረብ

Radio Erena: Friday, 03 November 2023

መንግስቲ ሶማል፣ ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ምወላ ንምርካብ ምስ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ኣብ መባእታዊ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ተገሊጹ።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ – IMF፣ ኣብ 01 ሕዳር፣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ መባእታዊ ስምምዕ ተበጺሕሉ ዘሎ ልቃሕ፣ ኣብ ሶማል ንሰለስተ ዓመታት ንዝቕጽል ዝተፈላለየ መደባት ኣብ ምምዋል ክውዕል’ዩ።

ኣብ ሶማል፣ ንዕብየት ቁጠባ ዝእንፍት ምልክታት እኳ እንተዘየለ፣ መንግስቲ እታ ሃገር፣ ንኣልሸባብ ንምድምሳስ ለውጥታት ከምጽእ ተስፋ ጌሩ ብምህላዉ ግና ሓደ ካብ መበገሲ ነቲ ናይ ልቓሕ ስምምዕ ምዃኑ’ዩ ተጠቒሱ።

ኣብ ሶማል፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ርጉእ ማእከላይ መንግስቲ ብዘይምጽንሑ፣ ከም ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን፣ ዝኣመሰላ ኣህጉራውያን ፊናንስያውያን ትካላት፣ ወግዓዊ ናይ ልቓሕ ስምምዓት ከተግብራ ከምዘይከኣላ ሰነዳት ይሕብር።

እንተኾነ፣ ኣብ ሶማል ምስ ሰብኣዊ ሓገዛትን ረዲኤትን ተተሓሓዚ፣ ካብ ሃገራትንኣህጉራውያን ትካላት ብመልክዕ ምወላን ሓገዛት ክግበረላ ጸኒሑ’ዩ።

ብድሆታት ኣልሸባብ ንምእላው ዝቓለስ ዘሎ መንግስቲ ሶማል፣ ንኣስታት 30 ዓመታት ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ኮይኑ ንዘሎ ባጤራ እታ ሃገር ንምብርባር’ውን ይሰርሕ ምህላዉ ይሕብር።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0