ናብ ክለባት ዎርልድ ቱር ዝተሰጋገሩ ኤርትራውያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ሓሙሽተ በጺሖም

Radio Erena: Tuesday, 29 August 2023

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ምስ ኢጣልያዊት ፕሮኮንቲነንታል ክለብ Green Project-Bardiani CSF-Faizanè፡ ተሓቚፉ ክወዳደር ዝጸንሐ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ምስ ካዛኪስታናዊት ዎርልድ ቱር ቲም ኣስታና ክታሙ ከም ዘንበረ እታ ጋንታ ብሰኑይ 28 ነሓሰ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ ኣፍሊጣ።

ካብ ዓመተ 2024 ጀሚሩ ማልያ ሓዳስ ክለቡ ዝለብስ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ነዚ ምስግጋር ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ “ምስ ኣብ ጽፍሒ ዎርልድ ቱር እትነጥፍ ጋንታ ናይ ምጽንባር ሕልመይ ጋህዲ ብምግባረይ ኣመና ሕጉስ እየ።” ኢሉ።

ኣሰልጣኒ ክለብ ኣስታና ኣሌክሳንደር ቪኖኮሮቭ ብወገኑ፡ ሄኖክ ከመዝግቦ ብዝጸንሐ ህጡር ዓወታት ቖላሕታ ከም ዘንበርሉን፡ እዚ ዓወታት ድማ፡ ምስ ጋንትኦም ኮይኑ ክቕጽሎ እምንትኦም ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነዚ ወዲ 23 ዓመት ተቐዳዳማይ ዝተቐረበሉ ውዕል ንክልተ ዓመታት ዝጸንሕ ምዃኑ ሓቢሩ።

ንክልተ ዓመታት ኣከታቲሉ ሻምፕዮን ውድድር ጽርግያ ኣፍሪቃ ዝኾነ ሄኖክ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ተሸላሚ ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ ከምኡ’ውን ሺንጋይ ለይክ ቻይና ንምዃን በቒዑ።

ምስግጋር ሄኖክ ናብ ክለብ ኣስታና፡ ንቑጽሪ ኣብ ክለባት ዎርልድ ቱር ዝነጥፉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ካብ 4 ናብ 5 ክብ ከብሎ እዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0