ኡጋንዳ፣ ካብ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክሰግሩ ፈቲኖም ዝበለቶም ሸሞንተ ኤርትራውያን ኣሲራ

Radio Erena: Monday,24 July 2023

ሓለዋ ዶባት ኡጋንዳ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ፈቲኖም ዝበለዎም ሸሞንተ ኤርትራውያን ከምዝሓዙ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፣ ብ20 ሓምለ፣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቶም ሰለስተ ደቂንስትዮ ዝርከብኦም ኤርትራውያን፣ ካብ ኬንያ፣ ብመንገዲ ከባቢ ቡስያ ናብ ኡጋንዳ ኣብ ዝኣትውሉ ዝነበሩ እዋን ከምዝተታሕዙ መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ ይጠቕስ።

ብወገን ኡጋንዳ፣ ናብ ካምፓላ እተብጽሖም መኪና ተዳልያ ምንባሮም ዝሓበረ እቲ ሚኒስትሪ፣ ፓስፖርት ይኹን ካልእ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ከምዘይጸንሖም ኣስሚርሉ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ብመንገዲ ኣህጉራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ኢንተበ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገራት ዓረብ ዝተበገሱ 17 ኢትዮጵያውያን ከምዝተታሕዙ ክፍሊ ኢምግሬሽንን ዜግነትን እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ክፍሊ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ 80 ናይ ኤርትር ፓስፖርታት ኣብ ሳንጣ ሒዙ፡ ብመንገዲ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ናብ ኡጋንዳ ክኣቱ ዝፈተነ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ኡጋንዳ፣ ሓንቲ ካብተን መናሃርያ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ትኸውን ከምዘላ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ፖሊስ – ኢንተርፖል የመልክት።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0