ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሩ፣ ናብ ክልል ትግራይ ስሩዕ ባጀት ክልእኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 03 April 2023

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ኣትሒዙ፣ ናብ ክልል ትግራይ ዝተመደበ ስሩዕ ባጀት ክልእኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ደ’ ኤታ ሚኒስትሪ ፋይናንስ እታ ሃገር፣ ኣቶ ኢዮብ ተካልኝ፣ ምስ መደበራት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ መንግስቲ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሩ፣ ወርሓዊ ናይ ባጀት ድጎማ ከምዝገብር ኣረጋጊጹ።

እቲ መንግስቲ፣ ናብ ክልል ትግራይ ዝመደቦ ባጀት ክልእኽ ከምዝጅምር ዝሕብር ዘሎ፣ ብግዝያዊ ፕረዚደንት፣ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ፣ ልኡኽ መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ ምስ ሰበ ስልጣን ፈደራል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ’ዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ዘተ፣ ንክልተ ዓመታት ተኸልኪሉ ዝጸንሐ ባጀት ክልል ትግራይ ክወሃብ ኣብ ዝብል ነጥቢ ከምዘይተዘተየሉ፣ እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ፋይናንስ ሓቢሩ።

ኣብ ሕዳር 2020፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተወልዐ ኵናት፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ባጀት ክልል ትግራይ ደው ስለዘበሎ፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንክልተ ዓመታት ደሞዞም ኣይተከፍሉን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ዘተ፣ ኣብታ ክልል ዝርከቡ ሰራሕተኛታ መንግስቲ ናይ ክልተ ዓመታት ውህሉል ደሞዞም ክኽፈሎም ኣብ ብዝልል ነጥቢ ከምዝተዘራረቡ’ዩ ብወገን ሜድያታት ትግራይ ክጥቀስ ጸኒሑ።

ኣብ ክልል ትግራይ ብዘይካ’ዚ ብፈደራል ዝምደብ ስሩዕ ባጀት፣ ብሰንኪ ኵናት ንዝዓነወ ትካላት መንግስቲን ናይ ልምዓት መደባትን ንምሕዋይ ተወሳኺ ሓገዝ ከምዘድሊ’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ደቡብን ኣጋጢሙ ብዘሎ ዋሕዲ ባጀት፣ ሰራሕተኛታት ደሞዝ ንምኽፋል ኣጸጊሙ ከምዘሎ፣ ንኣባላት ፓርላማ ብምጥቃስ ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0