‘ኤርትራ፣ ነዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ክትእሰርን ክትፍታሕን ዝጸንሐ ኣማኒት ክርስትያን ጴንጠቆስጣል ተፈቲሓ፣ ካልኦት 30 ተኣሲሮም’

Radio Erena: 03 April 2023

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ናይ ገዛ ጸሎት ዝነበሩ 30 ኣመንቲ ክርስትና ጴንጠቖስጣል ከምዝኣሰረ፣ ረሊዝ ኢንተርናሽናል ገሊጹ።

እቲ ንመሰል እምነት ክርስትና ዝጣበቕ፣ ኣህጉራዊ ትካል ብ23 መጋቢት ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፣ ሓይልታት ጸጥታ እቲ መንግስቲ፣ ነቶም ኣመንቲ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ከምዝኣሰርዎም ክገልጽ እንከሎ፣ ተኣሲሮም ንዝጸንሐ ትሽዓተ ኣመንቲ ጴንጠቖስጣል ምፍትሖም ኣረጋጊጹ።

እቶም ኣርባዕተ ኣብ ማይ ስርዋ ንልዕሊ ትሽዓተ ዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኮይኖም፣ እቶም ሓሙሽተ ድማ ኣብ ዓሰብ ተኣስሮም ዝነበሩ’ዮም።

ሓንቲ ካብቶም ኣብ መፋቕር ወርሒ መጋቢት፣ ኣብ ዓሰብ ዝተፈትሑ ናይ እምነት እሱራት፣ ፓስተር ኣብነት የማነ ዝተባህለት ጓለነስተይቲ ኮይና፣ ነዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፣ ክትእሰርን ክትፍታሕን ከምዘሕለፈቶ እቲ መግለጺ ኣገንዚቡ።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ብእምነቶም ዝተኣስሩ ኣስታት 400 ሰባት ከምዘለዉ፣ መሻርኽቲ እቲ ትካል ዝኾነ ዶ/ር ብርሃነ ኣስመላሽ ኣመልኪቱ።

ኣብ ኤርትራ፣ መራሕቲ ሃይመኖት ዝርከብዎም ኣማኢት ኣመንቲ ክርስትና፣ መሰኻኽር ጅሆቫ፣ እስልምናን ካልእ ዝተፈላለያ እምነታትን፣ ን10ታት ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ፣ ነቶም እሱራት እምነቶም ክኽሕዱ ብዝገብሮ ጭፍጨፋን ካልእ ግፍዕታትን፣ ህወይቶም ዝሓለፈ ከምዘሎ ብመርትዖ ተሰኒዱ ይርከብ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0