ብሪጣንያ፣ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ምምላስ መስርሕ ክቕጽል ምዃኑ ኣንፊታ

Radio Erena: 03 April 2023

ርዋንዳ፣ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ውሕስቲ ሃገር ምዃና ኣረጋጊጽና ኢና ክትብል ጸሓፊት ክፍሊ ዘቤታዊ ጉዳያት እታ ሃገር፣ ስዌላ ብሬቨርማን ገሊጻ።

ንሳ ንዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፣ ‘ርዋንዳ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ውሕስቲ ሃገር ምዃና ተኣማሚንናን ኢና’ እኳ እንተበለት፣ ብሪጣንያ ነቲ ናይ ምግዓዝ መስርሕ መዓስ ከምእትጅምሮ ግና ኣየነጸረትን።

እቲ ናይ ምግዓዝ መስርሕ ኣብ ክረምቲ ክጅምር ተኽእሎ ከምዘሎ ዝተፈላልዩ ተንተንቲ ግምታቶም ይህቡ።

ብሪጣንያ፣ ካብ ጥሪ 2022 ኣትሒዞም፣ ብጀላቡን ካልእ ዘይሕጋዊ መንገዲን ንዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ናብ ርዋንዳን ንምግዓዝ ናይ ኣስታት 150 ሚልዮን ዶላር ውዕል ምኽታማ ይፍለጥ።

እታ ሃገር፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሚዝያያ፣ ቀዳማይ ዙር ምግዓዝ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምትግባር ተበጊሳ እኳ እንተነበረት፣ ብውሳኔ ቤት ፍርዲ ኮሚሽን ኤውሮጳ፣ ኣብ ውዱእ ሰዓት ከምዝተሰረዘ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ብሪጣንያ እቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብምምጻሕ፣ እቲ መስርሕ ሕጋዊ ምዃኑ ስለዝተወሰነሉ፣ ዳግም ንምትግባሩ ይጽዕር ኣሎ።

ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እዚ ንምምይያጥ ድማ፣ እታ ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን እትመርሖ ልኡኽ ብሪጣንያ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ርዋንዳ ዑደት ምክያዱ ተፈሊጡ።

ርዋንዳ ካብ ሊብያን እስራኤልን ግዒዞም ንዝመጽኡዋ፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፣ ክትቕበል ጸኒሓ’ያ።

ብፍላይ ነቶም ካብ እስራኤል እስራአል ዝተመልሱ፣ ከምቲ ዝነግሮምን መብጽዓ ዝተኣትወሎም ክይኑ ስለዘይጸንሖም፣ መብዛሕቶም ናብ ኡጋንዳ ብምስጋር፣ ጉዕዞ ስደቶም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ቀጺሎሞ’ዮም።

ብሪጣንያ፣ ካብ ፈረንሳ፣ ቤልጁሚን ካልኦት ጎረባብታ ሃገራት፣ ኣብ ናይ ጽዕነት መካይንን ተሓቢኦም ይኹን ናይ ጎማ ጃላቡ እናተጠቕሙ ንዝኣትዉ ዘለው ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ንምግታእ ምስ መንግስቲ ፈረንሳ ዘካየደቶ ተደጋጋሚ ዘተ’ውን ከምቲ ዝድለ ክዕወት ኣይከኣለን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ በዚ መንገዲ’ዚ ናብ ብሪጣንታ ዝኣተዉ፣ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ልዕሊ 45 ሽሕ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ከምዝመዝገበ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ዘቤታዊ ጉዳያት እታ ሃገር የመልክት።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0