ፈረንሳ: ኣብ ኒጀር ኤምባሲኣ ትዓጹ

Radio Erena: Tuesday, 26 December 2023

ሃገረ ፈረንሳ ኣብ ኒጀር ዝርከብ ኤምባሲኣ ንዘይተፈልጠ ግዜ ክትዓጽዎ ከምዝኾነት ኣፍሊጣ::

ፈረንሳ ኤምባሲ ክትዓጹ ዝተገደደት ዕልዋ ብምክያድ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ መርሒነት ብዝገበረላ ቅየዳታትን ዕንቅፋታትን ተገዲዳ ከምዝኾነ ተገሊጹ::

ፈረንሳ ኣቐዲማ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ወወሃደራታ ከተውጽኦም ብመሪሕነት ኒጀር ድሕሪ ዝተዋህባ ትእዛዝ ወተሃደራታ ክትስሕብ እንከላ ኤምባሲ ምዕጻው ድማ መቐጸልትኡ እዩ::

ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኒጀር ወተሃደርዊ ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምክያዱ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝነበረ ዝምድና ክልሕልሕ ጸኒሑ::

ፈረንሳ ኣቐዲማ ኣብ ኒጀት ልዕሊ ሓደ ሽሕን 500 ወተሃደራት ኔሮማ::

ኒጀር ግዝኣት ፈረንሳ ካብ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ እያ::

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0