በዓል ልደት: ኣብ ከተማ ቤትልሄም ተሰሪዙ ዩክሬን ድማ ዝበዓለሉ መዓልቲ ቀይራ

Radio Erena: Tuesday, 26 December 2023

ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ እምነት ክርስትና ትማሊ 25 ታሕሳስ በዓል ልደተ ክርስቶስ ከብዕሉ እንከለዉ ኣብያተ ክርስትያናት ከተማ ቤትልሄም ግን ናይ ሎሚ ዓመት ጽንብል ብምስራዝ ኣሕሊፈንኦ::

የሱስ ክርስቶስ እተወልደላ ከተማ ቤትልሄም – ፍልስጤም ናይ ሎሚ ዓመት ብዓል ልደት ብዘይ ጽሕዲ ልደት: መብራህትን ምትእኽኻብን ብቕዳሴ ጥራይ ከትሕልፎ እያ ወሲና::

ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ተወልደሉ ተባሂሉ ዝእመን ቦታ ተሃኒጻ እትርከብ ቤተክርስትያን ልደት ክርስቶስ (Church of the Nativity) ኣብ ታሪኽ ንመጀመርታ ግዜ ብዘይ ዝኾነ ጽንብል ብቕዳሰ ጥራይ የሕሊፋቶ::

ከተማ ቤትልሄም ነዚ ዝወሰነት 80 ኪሎሜተር ካብታ ከተማ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ወሽመጥ ቃዛ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ልዕሊ 20 ሽሕ ፍልስጤማውያን ሰባት 8 ሽሕ ካብኦም ህጻናት ተቐቲሎም ብምህላዎም እዩ::

ቤተክርስትያናት ቤትልሄም ኣብ ዘውጽአኦ መግለጺ 8 ሽሕ ፍልስጤማውያን ህጻናት ብደብዳባት እስራኤል ተቐቲሎምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን በዓል ልደት ህጻን ክርስቶስ ብውዕዉዕ መንፈስ ምብዓል ዘይሞራላዊ ከምዝኾነ ገሊጸን::

ምስ በዓል ልደት ብዝተሓሓዝ ሃገረ ዮክሬን ኣቐዲማ በዓል ልደት ኣብ 7 ጥሪ ተብዕሎ ዝነበረት ካብ ሎሚ ዓመት ጀሚራ ኣብ 25 ታሕሳስ ከተብዕሎ ምኳና ኣፍሊጣ::

ዝበዝሑ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት በተክርስትያን ዝኣምኑ ዜጋታት ዘለዉዋ ዩክሬን ምስ ካልኦት ኦርቶዶክሳውያን ቤተክርስትያናት ኣብ 7 ጥሪ እያ ልደት ተብዕል ኔራ::

ዩክሬን ብሩስያ ወራር ገጺምዋ ኣብ ዘሎ እዋን እታ ሃገር ምስ ሩስያ ዘተሓሕዛ ኩሉ ነገራት ክትበትኮ ጸኒሓ: ኣርቶዶክሳውያን ቤተክርስትያናት ክልቲአን ሃገራት’ውን ተሰሓሒበን ጸኒሐን::

በዚ ምኽንያት ዩክሬን ካብ ሩስያ መታን እጸቢቓ መታን ክትርሕቕ በዓል ልደት ከይተረፈ መዓልቱ ቀይራትሉ ትርከብ::

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0