“ምእሳር ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ብጃምላ እዩ ዝካየድ ዘሎ” ጆርጅ ገብረስላሴ

Radio Erena: Wednesday, 27 December 2023

ግፋ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝለዓለ ናህሩ ይቕጽል ከምዘሎ ዳይሬክተርን መስራትን ትካል ተራድኦ ሱርባና፣ ጆርጅ ገብረስላሴ ምስ ራድዮ ኤረና ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ።

ጆርጅ ኣብ መግለጺኡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ግፋ ጉዳይ ሰብኣውነት ደኣ እምበር ካልእ ፖለቲካዊ መልክዕ ከነትሕዞ ኣይግባእን ክብል ኣስሚርሉ።

እቶም ዝእሰሩ ዘለዉ ዜጋታት ድማ ናይ ስደተኛ ወረቐት ዘይምህላው ተዘይኮይኑ ካልእ ገበን ከምዘይብሎም ኣረጋጊጹ።

ካብ መንገዲ፣ ቤት መግብን መንበሪ ኣባይቶምን ብኣልማማ ተገፊፎም ዝእሰሩ ዘለዉ ኤርትራውያን እቶም ወረቐት ዘለዎም ውን እንተኾነ ገንዘብ ብላዕ ከፊሎም ክወጹ ይግደዱ ኣለዉ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ንሱ ብተወሳኺ ብሰንኪ ኣብ 2020 ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኩነታት፣ ኣራ ማለት ትካል ረድኤትን ስደተኛታትን ኢትዮጵያ ምዝገባ ንመስርሕ ሕቶ ዑቕባ፣ ደው ብምባሉ ኣብዚ ትጽቢትን ካልእን ዝርከቡ ልዕሊ 200 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኣብ ሱዳን ብዘሎ ህሉው ኩነታት ውን ልዕሊ 100 ሽሕ ዝግመት ቁጽሪ ዝነበሮም ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን ከም ዝነበሩን ዝበዝሑ ካብኣቶም ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ ይፍለጥክብል ውን ኣዘኻኺሩ።

ካብ ኣብ ሱዳን ዝተኸስተ ግጭት ሃዲሞም ናብ መተማን 8 ሽሕ ሰባት ጥራይ ዘአንግድ ካብኡ 70 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ ሓድሽ ግዝያዊ መዓስከር ስደተኛታት ኩመር ዝኣተዉ ኤርትራውያን፣ ኣብኡ ግዳይ ሞት፣ ዓመጽ፣ ሞትን መቑሰልትን ምስ ኮኑ እግሮም ናብ ዝመርሖም ከም ዝሃደሙ፣ ዝበዝሑ ካብኣቶም ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተዉ ይፍለጥ።

ካብዚ ኹሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆታት ንምህዳም ናብ ኬንያ፣ ብኡ ኣቢሎም ውን ናብ ኡጋንዳን ታንዛንያን ንምስጋር ዝፍትኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ውን ብዙሕ ሽግራት ይገጥሞም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ናብ ጀኔቫን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ጥርዓን ኣቕሪብና ኣለና ዝበለ ጆርጅ ገብረስላሴ ኣብ መወዳእታ ነዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ግፍዕታት ንምቅዋም ኩሉ ግዱስ ዜጋ ኣብቲ ናይ ውልቁ ማሕበራዊ ገጽ ፌስቡክ ተዳልዩ ዘሎ ናይ ጥርዓን ጽሑፍ ክፍርም ተላብዩ።

መንግስቲ ኢትዬጵያ፡ ብሕጋዊ መንገዲ፡ ብነፈርቲ ናብታ ሃገር ንዝኣተዉ ኤርትራውያን’ውን ኣብቲ ግፋ ይጽንብር ምህላዉ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ራድዮ ኤረና ተገሊጹ ከም ዝነበረ ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ብዛዕባ ዝፍጸም ዘሎ ኣልማማ ግፋን ማእሰርትን፡ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ሓይልታት ጸጥታን ኣባላት ፖሊስን ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ነቲ ኩነታት ብምምዝማዝ፡ ካብ ኤርትራውያን 10ታት ኣሽሓት ብር ብመልከዕ ጉቦን ብላዕን ይወስዱ ምህላዎም’ውን ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0