ፈረንሳ፣ ግጭት ሱዳን ሓደ ዓመቱ ኣብ ዝመልኣሉ ዕለት፣ ንሰብኣዊ ሓገዛት ዝዓለመ ኣህጉራዊ ዋዕላ ከተአንግድ’ያ

Radio Erena: Tuesday, 20 February 2024

ግጭት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን ካብ ዝውላዕ፣ ሓደ ዓመቱ ኣብ ዝመልኣሉ፣ 15 ሚያዝያ፣ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ዘተኮረ ዋዕላ፣ ኣብ ከተማ ፓሪስ ወዲቡ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፣ ስቴፋን ሰጆርነ፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላው ክርሳዕ ከምዘይብሉ ብምዝክኻር፣ ነቲ ዋዕላ ከምዝወደቡ ጠቒሱ።

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ህጹጽ ምላሽ ንምሃብ ናይ 1.4 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘድሊ ዩ ዘመልክት።

ኣብ መንጎ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲን ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታትን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ዛጊት 7.5 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ኣመዛቢሉ ኣሎ።

1.6 ሚልዮን ካብዚኣቶም፣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሃደሙ ኮይኖም መብዛሕቶም፣ ኣብ ቻድን ግብጽን ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ይርከቡ።

ሕቡራት ሃገራት ብዘቕርቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ኣስታት ፍርቂ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሱዳን፣ ወይ እቲ 25 ሚልዮን ተጸባይ ህጹጽ ረዲኤት ዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ከተማ ካርቱም፣ ከባቢታት ኡምዱርማን ዓሪደን ንዝነበራ ኣሃዱታት ፈጣን ሓይልታት ብምጽራግ፣ ኣብታ ከተማ፣ ንመጀመርይ እዋኑ ወትሃደራዊ ገስጋስ ከምዘርኣየ ተሓቢሩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0