ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ኡጋንዳ፣ ርዋንዳን ደቡብ ሱዳንን፣ ወደብ ሞምባሳ ናይ ኬንያ ንምጥቓም ዝሓሸ ኣማራጺ ይጠልባ

Radio Erena: Tuesday, 20 February 2024

ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ርዋንዳ፣ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን፣ ብመንገዲ ወደብ ሞምባሳ ናይ ኬንያ ብሓድሽ ኣማራጺ፣ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ክረኽባ ይጠልባ ምህላወን ኣፍሊጠን።

እዘን ንወደባት ታንዛንያ፣ ኬንያን ሱዳንን በብዝጥዕመ መንገዲ ዝጥቀማሉ ዘለዋ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሰለስተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝሽምትኦ ይኹን ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝልእከኦ ደረቕን ፈሳሲን ነገራት፣ ልዕሊ 1200 ኪሎሜተር ከጎዓዕዛየን ዝግደዳ።

እዘን ሃገራት፣ ነዚ ከቓልል ይኽእልዩ ዝበልኦ ድማ፣ መንግስቲ ኬንያ፣ ብወገን ሰሜን ሓደሽ መስመር ብምኽፋት፣ ወደባት ሞምባሳን ዳርሰላም ናይ ታንዛንያን ዘራኽበሉ፣ ኣብ ሰሜናዊ ናይሮቢ ኣብ እትርከብ፣ ናይቫሻ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ፣ መኻዚኖታትንን መናሃርያ ናይ ጽዕነት መካይንን ክኸፍትየን ሓቲተን።

መንገዲ ባቡር የጣጥሕን ተወሳኺ ባጎኒታት ንምውፋርን ኣብ መስርሕ ከምዘሎን ዝገለጸ መንግስቲ ኬንያ፣ ነቲ እማመ እኳ እንተነጸጎ፣ ካብ ወደብ ሞምባሳ ዝተራገፈ ጽዕነት ይኹን ናብዚ ወደብ ዝመጽእ ደረቕን ፈሳሲን እዘን ሃገራት፣ ደው ከይበለን ብቐጥታ ካብዘን ሃገራት ዝመጽኣሉ ወይ ናብዘን ሃገራት ብቐጥታ ዝኣትወሉ መንገዲ ከተኣታትወለን ምዃኑ ተመባጺዑ።

ሰበ ስልጣን ኡጋንዳ፣ ርዋንዳን ደቡብ ሱዳንን ምስ በዓል መዚ ወደባት ኬንያ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብዝያዳ ይመያየጡ ከምዘለዉ ዘ ኢስት ኣፍሪካን ኣመልኪቱ።

ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ውሑስን ኣተኣማማንንዩ ዝብልኦ ወደባት ኬንያን ታንዛንያን፣ ብቀዳምነት ክግልገላሉ እንከለዋ፣ ካልእ ኣማራጺታትውን የናድያየን።

ልዕሊ 95% ናይ ወደብ ኣገልግሎታት ኣብ ጂቡቲ እትምርኮስ ኢትዮጵያውን ንወደብ ሞምባሳ ናይ ኬንያ ክትጥቐመሉ እትኽእል ኣማራጺታት ክትፍትሽ ጸኒሓያ።

ኢትዮጵያ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ዝኸተመቶ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፣ ጎአንጽ ከየለዓዕል፣ ኣብቲ ዞባ ተወሳኺ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0