ፈረንሳ፣ ክልተ ሱዳናውያን ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰባት፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋርን ምጥሓል 65 ሰባት ዝጸዓነት ጃልባን ተኸሲሶም

Radio Erena: MOnday, 21 August 2023

ኣብ ፈረንሳ፣ ክልተ ሱዳናውያን ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰባት፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋርን ምጥሓል 65 ሰባት ዝጸዓነት ጃልባን ከምዝተኸሰሱ፣ ኣኽባር ሕጊ ከተማ ፓሪስ ኣፍሊጡ።

እቶም ጥርጡራ፣ ካብ ሰሜናዊ ክፋል ፓሪስ ኣትሒዙ ክሳብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ፣ ሓተቲ ዑቕባ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብምስግጋር፣ ብሓደገኛ ጉዕዞ ባሕሪ ናብ ብሪጣንያ ከይእትውዎም ከምዝፈተኑ’ዩ እቲ ክሲ ዝገልጽ።

ዝሓለፈ ሰሙን፣ 65 ሓተቲ ዑቕባ ጽዒና ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝተበገሰት ናይ ጎማ ጃልባ ብምጥሓላ፣ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ማዕከናት ዜና ፈነሳ ክገልጻ ቀንየን።

ዜግነት ናይቶም ግዳያት ምጥሓል ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ እኳ እንተተገልጸ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ምዃኖም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ኣሚቶም።

ሓተቲ ዑቕባ ዝጸዓና ናይ ጎማ ጃላቡ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ተበጊሰን ናብ ብሪጣንያ ብብዝሒ ይኣትዋ ብምህላወ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ብሪጣንያ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ርዋንዳ ከተሰጋግሮም ዝሓንጸጸቶ መደብ፣ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ከምእትደሊ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ይእምቱ።

እቲ ናብ ግብሪ ክሰጋገር ተበጊሱ ዝነበረ መደብ፣ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ ደው ከምዝበለ ኣይርሳዕን።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0