‘ኤርትራ፣ ዞባ ማእከል ገበናት ብ3.8% ወሲኹ’ ኣዛዚ ፖሊስ

Radio Erena: MOnday, 21 August 2023

ኣብ ኤርትራ፣ ዞባ ማእከል፣ ገበናት ብ3.8% ከምዝወሰኸ ኣዛዚ ፖሊስ ናይቲ ዞባ ሌ/ኮ ግርማይ ገብረሚካኤል ምግላጹ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ናይ 16 ነሓሰ ሕታማ ኣስፊራ።

ንሱ ነዚ ዝገለጸ፣ ኣብ ተራ ሕብረተሰብ ኣብ ምክልኻል ገበንን ሓደጋታትን ብምትኳር፣ ምስ ነበርቲ ንኡስ ዞባ ገዛ ባንዳ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር’ዩ።

ዝርዝር ናይቲ ወሰኽ ኣርእዩ ዝበሎ ገበናት ብዝርዝር ዘይገለጸ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ማእከል፣ በደላት ግና ብ0.3% ከምዝጎደለ ኣስሚርሉ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ምስ ሕሰም መነባብርኦ ተተሓሒዙ፣ ከም ስርቂ፣ ክትራን፣ ቅትለትን ዓመጽን ዝኣመሰለ ገበናት እናገነነ ይመጽእ ምህላዉ በብእውኑ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብቲ ዞባ፣ ኣብ ቀዳማይ መፋቕር 2023፣ ልዕሊ 44 ሽሕን 600 ምጥሓስ ሕጊ ትራፊክን ልዕሊ 1200 ድማ ሓደጋታት ተሽከርከርቲን ከምዘጋጠመ እቲ ኣዛዚ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ኣብ ዞባ ማእከል ገኒኑ ብሰንኪ ዘሎ ሓደጋ ተሽከርከርቲ፣ መጠን ሞት ብ87.5% ከምዝወሰኸ፣ ንኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ናይቲ ዞባ፣ ሜጀር ሃይለ በራኺ ብምጥቃስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፣ ኣብ ናይ 11 ግንቦት ሕታማ ምስፋራ ኣይርሳዕን።
እታ ጋዜጣ፣ብተወሳኺ፣ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ 2023 ምስቲ ተመሳሳሊ ወርሓት ቅድሚ ኡ ኣብ ዝነበረ ዓመተ 2022 ብምንጽጻር፣ ሓደጋ ተሽከርከርቲ ብ44% ንሂሩ ከምዘሎ ኣተሓሳሲባ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0