ኢትዮጵያ፣ ንወደብ ላሙ ናይ ኬንያ ክትጥቀም ድልውቲ ምህላዋ ገሊጻ

Radio Erena: MOnday, 21 August 2023

ኢትዮጵያ፣ ንውደቡ ላሙ ናይ ኬንያ ክትጥቀም ድልየት ከምዘለዋ ገሊጻ።

ዘ ስታር ዝተባህለት ጋዜጣ ኬንያ ብዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኢትዮጵያ ነቲ ወደብ ክትጥቀም ድሌት ከምዘለዋ ዝገለጸት፣ ብሚኒስተር መጓዓዝያ፣ ኣቶ ኣለሙ ስሜ ዝምራሕ ልኡኽ እታ ሃገር ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኬንያ ኣብ ዝበጽሓሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

ደቡብ ሱዳን፣ ንውደብ ላሙ ክትጥቀም ተሓንጺጹ ብዘሎ መደብ መሰረት፣ ብኢትዮጵያ ኣቛሪጹ ዝሓለፍ መስመር መጓዓዝያ ምድሪ ክትግልገል ምስ ምዃና’ዩ ኢትዮጵያ’ውን ናብቲ ኬንያ ወደብ ኣቛሚታ ዘላ።

ልዕሊ 95% ናይ ወድብ ኣገልግሎታታ ኣብ ጂቡቲ ተሓጺሩ ዘሎ ኢትዮጵያ፣ ኣማራጺታት ንምንዳይ ናብ ወደባት ሶማሊላንድን ኬንያን ከተቛምት ጸኒሓ’ያ።

ሚኒስተር መጓዓዝያ ዝመርሖ ልኡኽ ኢትዮጵያ ቅድሚ ናብ ኬንያ ምምርሑ’ውን ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ተመሳሳሊ ዝርርብ ዕላማ ዘለዎ ምብጻሕ ምክያዱ መርበባት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጸን።

ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ናጽነት ናጽነት ኤርትራ፣ ውደብ ኣልቦ ኮይና ምስ ምትራፋ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ቁጠባኣ ዝፈጠሮ ጸቕጢ ሓደ ካብ ኣውራ ፖለቲካዊ ርባጸ ዝፈጠር ጉዳያት ኮይኑ’ዩ ዝቕጽል ዘሎ።

ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ኣብ 2018 ድሕሪ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፣ ኢትዮጵያ ንወደባት ኤርትራ ክትጥቀም ተስፋታት እኳ እንተነበረ፣ 5 ዓመቱ ሓሊፉ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይከኣለን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0