ፈረንሳ፣ ካብ ኒጀር ክወጽእ ናይ 48 ሰዓታት ትእዛዝ ዝተዋህቦ ኣምባሳደራ ከምዘይሰሓበት ገሊጻ

Radio Erena: Wednesday, 30 August 2023

ኣብ ኒጀር ዕልዋ ዘካየደ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ 48 ሰዓታት ካብታ ሃገር ንኽወጻእ ዝሃቦ ናይ ግዜ ገደብ ሓሊፉ።

እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ፈረንሳ ምስ ሓድሽ ሕግታት ኒጀር ኣይተሰማምዐትን ብዝብል፣ ኣምባሳደር ሲልቭያ ኢተ ካብታ ሃገር ክወጻእ፣ ካብ ዓርቢ 25 ነሓሰ ዝጽብጸብ ናይ 48 ሰዓታት ‘ዩ ሂብዎ።

እንተኾነ፣ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ብ28 ነሓሰ፣ ንዲፕሎማሰኛታት ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ኣምባሳደር፣ ኣብ ኒጀር፣ ከተማ ኒያመይ፣ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ፈረንሳ፣ መርገጺኣ ከምዘይትቕይር ዝሓበረ እቲ ፕረዚደንት፣ ብምርጫ ህዝቢ ፕረዚደንት ዝኾነ፣ መሓመድ ባዙም ናብ ስልጣን ክምለስ ከምእትጸቕጠሉ ኣስሚርሉ።

ፈረንሳ፣ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ጨቢጡ ንዘሎ ጉጅለ ኣፍልጦ ከምዘይትህቦ ብምርግጋጽ ድማ፣ እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ኣምባሳደራ ክሰጉግ ሕጋዊ ስልጣን ከምዘይብሉ ሓቢራ።

ኣብ ኒጀር ተዋፊሩ ዝርከብ ኣስታት 1500 ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ፈረንሳ’ውን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ከተማ ኒያመይ ኣብ ዝርከብ መዓስከሩ’ዩ ዘሎ።

ንወትሃደራዊ ዕልዋ ዝደገፉ ኣሽሓት ዜጋታት ኒጀር፣ ብ26 ነሓሰ፣ ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ፣ ሰራዊት ፈረንሳ ብዝቐልጠፈ ካብታ ሃገር ክወጻእ ሓቲቶም።

ወትሃደራዊ ጉጅለ ኒጀር፣ ንኣምባሳደር ስልቭያ ኢተ ብሓይሊ ካብታ ሃገር እንተውጽኢዎ ወይ እንተኣሲርዎ፣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ኣብ ማሊ፣ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን ዝነበረ ደጀናታ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዝርከብ ፈረንሳ እንታይ ስጉምቲ ክትወስድ’ያ ግዜ ዝምልሶ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0