ጋቦን፣ ንልዕሊ 50 ዓመታት ስልጣን ስልጣን ብሒቶም ዝጸንሑ ስድራቤት፣ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ተኣልዮም

Radio Erena: Wednesday, 30 August 2023

ካብ 1967 እትሒዞም ኣቦን ወድን ተበራርዮም፤ ን56 ዓመታት ክመርሑዋ ኣብ ዝጸንሑ ጋቦን፣ ወትሃደራዊ ዕልዋ ተኻይዱ።

እቲ ብ29 ነሓሰ ኣብ ጋቦን ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ዕልዋ፣ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፈረንሳ ካብ ዝነበራ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ መበል ሓሙሻይ’ዩ።

እዚ ኣብ ምዕራርብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ተኸታታሊ ዕልዋታት፣ ብጽልኣት ምትእትታው ፈረንሳን ምብሓት መሰርት ቁጠባን ዝተደፋፍአ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ብነዳዲን ካልእ ማዕድናትን ሃብታም ዝኾነት ጋቦን፣ ዖኡመር ቦንጎ፤ ካብ 1967 ክሳብ ዕለተ ሞቱ ኣብ 2009፣ ን42 ዓመታት ክመርሓ እንከሎ፣ ድሕሪ ሞቱ ድማ ወዱ ኣብቲ ዓመት እቲ ስልጣን ተረኪቡ ክሳብ ትማሊ ብዕልዋ ዝእለ ን14 ዓመታት ፕረዚደንት ኮይኑ።

ንሱ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ’ውን ብገፊሕ ተዓዊቱ ስልጣኑ ንምቕጻል መደብ ከምዝነበሮ ይፍለጥ።

ኣቦን ወድን ተኸታቲሎምን ን56 ዓመታት ንጋቦን ምምርሖም ጥራይ ዘይኮነ፣ ዝበዝሐ ወሳኒ ስልጣናት እታ ሃገር ‘ውን ንቀረባ ቤተ ሰብ ዝተሓዘ ምንባሩ ይጥቀስ።

ኣብታ ሃገር ዝካየድ፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣህጉራዊ ቅድድማት ብሽክለታ ዙር ጋቦን’ውን ብስም ጓሉ፣ ኣሚሳ ቦንጎ ከምዝጽዋዕ ይፍለጥ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝኽሰት ዘሎ ተኸታታሊ ወትሃደራዊ ዕልዋታት፣ ብኢድ ኣዙር ንዝፍጸም ሰንሰለት መግዛእቲ ብፍላይ ድማ ምትእትታው ፈረንሳ ንምብታኽ ዝዓለም’ዩ ዝብሃል እኳ እንተኾነ፣ ነተን ድሮ ብድኽነት ክሕመሳ ዝጸንሓ ሃገራት እቲ ዞባ ግና ናብ ዝበኣሰ ምልኪ፣ ተነጽሎን ግጭታትን ከውድቐን ከምዝኽእል ይግለጽ።

ካብ 2020 ኣትሒዙ፣ ኣብ ማሊ፣ ጊኒ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ኒጀር ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ጋቦን ዘጋጠመ ተኸታታሊ ወትሃደራዊ ዕልዋታት፣ ነተን ኣብ ሰንኮፍ ጸጥታ ዝርከባ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን ከም ቻድን ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን ዝኣመሰላ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ’ውን ከይጸሉ የስግእ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0