ፈረንሳ፣ ብሰንኪ ወራር ቱዃን ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ ይዕጸዋ

Radio Erena: Thursday, 05 October 2023

ኣብ ፈረንሳ፣ ተኸሲቱ ብዘሎ ወራር ቱዃን ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተዓጽዋ ምምሕዳር ከተማታት ኣፍሊጠን።

ዛጊት ኣብ ወደባዊት ከተማ ማርሰይ፣ ምስ ስዊዘርላንድ ዘዋስን ከባቢ ሮን ዝርከባ ክልተ ናይ መባእታ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ እንከለዋ፣ ፓሪስ ኣብ እትርከበን ከተማታት’ውን ተመሳሳሊ ክስተት ከጋጥም ምዃኑ’ዩ ዝግልጸ ዘሎ።

ኣብ ዞባ ኤክስ ኦን ፕሮቫንስ ድማ ሓንቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፣ ብጥርጣረ ወራር ቱዃን፣ ካብ 05 ጥቅምቲ ኣትሒዛ፣ ተዓጽያ መርመራ ይካየደላ ምህላዉ ኣካይድታ ኣረጋጊጾም።

እዘን ኣብያተ ትምህርቲ፣ ካብ ወራር ቱዃን ናጻ ምዃነን ክሳብ ዝረጋገጽ፣ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ተዓጽየን ክጸንሓ’የን።

ወራር ቱዃን ብዝያዳ ኣብ ከተማታት ፓሪስን ማርሰይን ተኸሲቱ ከምዘሎ ዝገልጽ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ከም ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ኣብ ዝኣመሰለ ህዝባዊ መጓዓዝያታት፣ ሆስፒታላትን ካልእ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎታት ብዝያዳ የስፋሕፍሕ ምህላዉ ኣመልኪቱ።

ፈረንሳ፣ ካብ 1950 ንደሓር ካብ ቱዃን ናጻ ኮይና ምንባራ ዘመልክት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና፣ ምስ ብዝሒ ምንቅስቓስ ተጓዓዝቲን ጻዕቒ ነበርቲ ከተማታትን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዳግም ክርአ ምጅማሩ ሓቢሩ።

ምስ ዋሕዚ ስደተኛታት ድማ፣ ፍርናሻት ብምንጻፍ ኣብ ጎደናታት ፈረንሳ ናይ ዝሓደር ብዝሒ ህዝቢ እናወሰኸ ይኸይድ ምስ ምህላዉ ካልእ ንምስፍሕፋሕ ቱዃን ጠንቂ ክኸውን ካብ ዝኽእል ነገራት ተባሂሉ’ዩ ዝጥቀስ።

ቱዃን ንምጥፋእ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበረ መርዛም ቀመማት፣ ኣብ ኣከባቢ ከቢድ ብክለ ከምዘስዕብ ድሕሪ ምርግጋጹ፣ ፈረንሳ ጠቕሊላ ስለዝኣገደቶ’ውን ሓደ ካብ ጠንቅታት ዳግም ምስፍሕፋሕ እቲ ባልዕ ክኸውን ከምዝኽእል ይትንተን።

ሚኒስትሪታት ጥዕናን ኣከባቢን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ወራር ቱዃን ከምዘሳቕሎም ብምጥቃስ፣ ንምቑጽጻሩ ሓይሊ ዕማም ቆይሙ መጽናዕቲ ከካይድ ይሸባሸቡ ምህላዎም የመልክቱ።

ክሳብ ወፍሪ ኣንጻር ወራር ቱዃን ዝጅምር ድማ ህዝቢ ኣቐዲሙ ኣብ ጠቕሚ ዝወዓለ ክዳውንቲ፣ ፍርናሻትን ከም ከብሒ ዝኣመሰለ ናውቲ ገዛን ከይዕድግን ከይለቓቓሕን ይምዕዱ።

ቱዃን፣ ኣብ ፍርናሻት፣ ኮቦርታን ካልእ መሕቢ ነገራትን ተሓቢኡ ዝውዕሉን ለይቲ ድማ ሰብ ናብ ዝደቀሰሉ እናመጸ ደም ብምምጣጥ ዝምገብን ባልዕ’ዩ።

እዚ ባልዕ’ዚ፣ ኣብ ጥዕና ዘምጽኦ ሳዕቤን ከምዘየለ ዛጊት ተኻይዱ ብዘሎ ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጸ እኳ እንተኾነ፣ ናብ ሓደ ገዛ ሓንሳእ እንተኣትዩ ንምውጽኡ ኣጸጋምን ዘይምቹእነት ድቃስ ዝፈጥርን’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0