ጂቡቲ ምስ ቐጠር ዝነበራ ዝምድና ንምዕባይ ተሰማሚዓ

Radio Erena: Thursday, 05 October 2023

ጂቡቲን ቐጠርን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ንቡር ዝተመልሰ ዝምድንአን ንምዕባይ’ዩ ተሰማሚዐን።

እዘን ክልተ ሃገራት፣ ዝምድንአን ከዕብያ ዝተሰማምዓ፣ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ዝምርሖ ላዕለዋይ ወኪል ጂቡቲ ኣብ ቀጠር ኣብ ዘካይድድዶ ዘሎ ምብጻሕ’ዩ።

ፕረዚደንት ገለ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ቐጠር፣ ከተማ ኣዶሓ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኤክስፖ ሕርሻ 2023 ምስታፉ፣ ምስ ኣሚር ታሚን ቢን ሓማድ ብምርኻብ፣ ዝምድናኣ ክልቴን ሃገራት ንምዕባይ’ዩ ዘትዩ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሓ ሃገራት ውሽመጥ፣ ምስ ቐጠር ብዝተፈጠር ምስሕሓብ ኣብ ሰነ 2017 ዝምድናአን ደው ክብላ ድሕሪ ምውሳነን፣ ጂቡቲ ጸግዐን ብምሓዝ ኣሰረን’ያ ስዒባ።

ኤርትራ’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ምስ ቐጠር ዝነበራ ዝድምዳ ኣዛሕቲላ።

ቐጠር፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡቲን ኣብ 2008 ዝተልዐ ግጭት ንምሽምጋልን ዝወሰደቶ ተበግሶ ኣብ መወዳእትኡ ከየብጽሐት፣ ኣብ 2017 ዝምድአን ምዝሕታለን፣ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዛጊት መፍትሒ ዘይረኸበ ብዶብ ዝተሳበበ ወጥሪ ኣብ ጠልጠል’ዩ ተሪፉ።

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ምስ ቐጠር ደስኪሉ ዝነበረ ዝምድንአን ኣብ ጥሪ 2021 ናብ ንቡር ኣብ ዝተመልሰሉ፣ ጂቡቲ’ውን ኣሰረን’ያ ስዒባ።

ኣብዚ ክልተ ዓመታት ሰለይ ክብል ዝጸንሐ ዝምድናኣ ምስ ቐጠር ንምዕባይ ድማ ሓድሽ ተበግሶታት ክትእወስድ ትርአ ኣላ።

ፕረዚደንት ጂቡቲ ብዕድመ ኣሚር ቐጠር ኣብ ኣዶሓ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኤክስፖ ክሳትፍ ምዃዱ’ውን ሓደ መርኣያ ናይዚ ‘ዩ።

ኣብዚ ናይ ኣዶሓ ኤክስፖ፣ መራሕቲ መተሃላልኽቲ ቐጠር ኮይና ዝጸንሐር ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካልኦት ሃገራትን ‘ውን ብዕድመ ኣሚር ቐጠር ተሳቲፎ’ዮም።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0