ቻይና፣ ምህርቲ ሕርሻ ንምዕባይ ዝተሓጋገዙ ክኢላታት ናብ ኤርትራ ኣዋፊራ

Radio Erena: Thursday, 05 October 2023

መንግስቲ ቻይና፣ ኣብ ኤርትራ፣ እቶት ምህርቲ ሕርሻ ንምዕባይ ዝተሓጋገዙ ክኢላታት ናብ ኤርትራ ከምዘዋፈረ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር- ሺንሁዋ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ሕርሻን ገጠራዊ ጉዳያትን ቻይና፣ ካብ መስከረም ኣትሒዙ ናብ ኤርትራ ልኢኽዎም ዘሎ ክኢላታት፣ ኣብ ምልማዕ ጀራዲን ኣሕምልትን ፍረታትን ምስ ዝነጥፉ ኤርትራውያን ሓረስቶት ተዋፊሮም ሞያዊ ክእለቶም ከካፍሉ’ዮም።

ኤርትራ፣ እቶት ምህርቲ ሕርሻ ንምዕባይ ብዘይካ ምስ ቻይና ምስ ውድብ መግቢን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መሸርኽትን’ውን ትሰርሕ ከምዘላ ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ግዱድ ዕስክርና፣ ኣዝዮም ብዙሓት ሓረስቶት ሕርሻታቶም ክካይዱ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ከቢድ ስእነት ከምዝወደቑ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ እቶት ምህርቲ ሕርሻ ንምዕባይ ምስ መሻርኽቱ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታት፣ ነቶም ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ 75% ዝግምገሙ ሓረስቶት ኣብ ግምት ዘየእቱን ዝግልልን እንተኾይኑ፣ ምዕዋቱ ኣጣራጣሪ’ዩ።

ኤርትራ፣ ካብተን ገና ብመግቢ ርእሰ ዘይክኣላን ውሑድ እቶት ሕርሻን ዘለወን ሃገራት ተባሂላ ኣብ ዝርዝር ውድብ መግን ሕርሻን ሰፊራ ትርከብ።

ኣብ ኤርትራ ብዘይካ’ቲ ብሰንኪ ምሕደራ ስርዓት ዘጋጠመ ዋሕዲ እቶት፣ ደርቂን ካልእ ባህርያዊ ኩነታትን’ውን ንሕርሻ ብኣሉታ ጸልይዎ’ዩ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0