ጽልዋ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ እናዓበየ ይመጽእ

Radio Erena : Wednesday , 10  January  2024

እብዚ እዋንዚ ኣብ ጉዳይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምዝታይ ብቐጥታ ናብተን ሃገራት ኣብ ክንዲ ምኻድ ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብፍላይ ድማ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ምዝታይ ከምዝቐልል ዮም ተንትንቲ ዝገልጹ።

እቲ ምንታይሲ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ንቀይሕ ባሕሪ ንምቁጽጻር ብፊናንስያዊ ሓገዝ ይኹን ካልእ ጽልዋታት፣ ኣብ ሃገራት እቲ ዞባ ዘለወን ድፍኢታት እናዓበየ ይመጽእ ስለዘሎ።

ጽልዋ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ካብ ግብጺ ክሳብ ሱዳን፣ ኤርትራ ኢትዮጵያ ካብ ሓሊፉውን ክሳብ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ተዘርጊሑ ይርከብ።

እዘን ክልተ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ንላዕሊ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ጽልዋ ኣለወን::

ኣቐዲሙ ኣብ ዝነበረ ኣብነት እንተ ተወሲዱ ኢትዮጵያን ኤርትራን ውዕል ሰላም ኣብ ዝገበራሉ፣ ስዑዲ ዓረብ ዓቢ ተራ ኔርዋ። ኣብ ኲናት ሱዳን፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንተወርዋሪ ሓይሊ ከምእትሕግዝን ነቲ ጉዳይ ተነሃህሮ ከምዘላን ይግለጽ። ብኣንጻሩ ድማ ዝርርብ ሰላም ሱዳን ኣብ ስዑዲ ዓረብ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዓሰብ መደበር ሓይሊ ኣየር ብምቋም ኣብ የመን ደብዳብ ከተካይድ እንከላ፣ ንኢትዮጵያ ድማ ኣብ ኵናት ትግራይ ናይ ድሮን ሓገዝ ከምዝገበረትላ ይሕበር።

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣብ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ናይ ማዕድን ወፍሪ ተገዳስነተን እናዓበየ ክመጽእ ይመጽእ ኣሎ። ናይ ሕርሻ መሬት ኣብ ምቁዳስውን ይሰርሓ ኣለዋ።

እዘን ሃገራት፣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለወን ጽልዋ እናዓበየ ክመጽእ እንከሎ፣ ቀጠር ውን ክትጽንበሮ ከምእትኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ ይእምቱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0