ኣውስትራልያ፣ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝጅምር ፌስቲቫል ህግደፍ፣ ተቓውሞን ናዕቢን ከይካየድ ብምስጋእ ፖሊስ ጽኑዕ ሓለዋ ከካይድ’ዩ

Radio Erena: Thursday 11 , January 2024

ኣብ ኣውስትራልያ፣ ከተማ ሜልበርን፣ ሓሙስ 11 ጥሪ ተኸፊቱ፣ ክሳብ ቀደመሰንበት ንዝቕጽል ፌስቲቫል ህግደፍ፣ ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝተጠርነፉ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ኣንጻሩ ተቓውሞን ናዕብን ከየካይዱ ብምስጋእ፣ ፖሊስ ጽኑዕ ሓለዋ ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ኣውስትራልያ፣ ምስ ወደብቲ እቲ ፌስቲቫል ከምዝተዘራረበ ዝሓበረ ጋዜጣ ዘ ጋርድያን፣ ወደብቲ ብርጌድ ንሓመዱ ብወገኖም እቲ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ከባቢ ከተማ ሜልበርን ዝካየድ ተወጢኑ ዘሎ ፌስቲቫል ክስረዝ ይሓቱ ምህላዎም ኣረጋጊጹ።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ካናዳን እስራኤል፣ ብህግደፍ ንዝተወደበ ፌስቲቫላት ደው ንምባል፣ ብብርጌድ ንሓምዱ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞን ናዕብን፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ህግደፍን ደለይቲ ለውጢን ጎነጽ ስለዝተጎሃሃረ፣ ፖሊስ ዝርከብዎም ሓያሎ ኤርትራውያን ከምዝቖሰሉን ይፍለጥ።

ድሕሪቲ ፌስቲቫላት ህግደፍ ደው ንምባል ዝተኻየደ ተቓውሞታትን ናዕቢንውን፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኤርትራውያን ወገናት ጽልእን ቅርሕንትን ሳዕሪሩ ክሳብ ብኻራ ኣብ ምቕትታል ተበጺሑዩ።

ተቓውሞን ናዕቢን ኣብ ዝተኻየደለን ሃገራት፣ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ተኣሲሮምን ብገበን ተኸሲሶምዮም።

ብህግደፍ ዝውደብ ፌስቲቫላት፣ ንጽልእን ፕሮፖጋንዳን ናይቲ ስርዓት ዘጉልሕ ስለዝኾነ፣ ደው ክብል ከምዘለዎዮም ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ዝጽውዑ።

ስእሊ፣ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0